ውልቀ መላኺ መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ መንእሰያት ከም ናቱ ኣቐማቕማ ክኽተሉ ይደፋፍእ

ውልቀ መላኺ መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ መንእሰያት ከም ናቱ ኣቐማቕማ ክኽተሉ ይደፋፍእ

Radio Erena: April 1, 2014

Nort Korean Leader

31 ዓመት ዝዕድሚኡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጁንግ ኡን፣ መንእሰያት ከምናቱ ኣቐማቕማ ክቕምቐሙ ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎ ንሬድዮ ፍሪ ኤስያ ብምጥቓስ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ኣብ ሰሜን ኮርያ፣ ብመንግስቲ ካብ ዝተፈቕደ ንደቂ ተባዕትዮ ካብ 10 ዓይነት ደቂ ንስትዮ ድማ ካብ 18 ዓይነት ዓይነታት ኣመሻሽጣን ኣቐማቕማን ወጻኢ፣ ንጸጉሮም ካልእ መልክዕ ከትሕዙ ፍቑድ ኣይኮነን።

ዘመናዊ ኣከዳድና ይኹን ኣመሻሽጣ ምስ ጽልዋ ምዕራባዊ ርእሰማልነት ስለዝተሓሓዝ፣ ዝኾነ ዜጋ ሰሜን ኮርያ ካብቲ ብመንግስቲ ዝተወሰነሉ ማሕበርነታዊ ተባሂሉ ዝግለጽ ዓይነታት ወጻኢ እንተተቐምቒሙ ወይ እንተተመሺጡ፣ ብጉድለት ዲሲፕሊን ከምዝቕጻዕ ይንገር።

 

ወዲ 31 ዓመት መራሒ እታ ሃገር ኪም ጁንግ ኡን ድማ፣ መንእሰያት ብፍላይ ድማ ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ነቲ ንሱ ዝኽተሎ ካብ ኣቡኡ ዝወረሶ ኣቐማቕማ፣ ክስዕቡ ይደፋፍእ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዚ ሓበሬታ’ዚ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ዜጋታት ናይቲ ምስ ሰሜን ኮርያ ኣፍሪቃ እናተባህለት እትገልጽ ኤርትራ፣ ኣብ ፌስቡክን ካልእ ማሕበራዊ ሜድያታትን፣ እቲ ኣብ ኩሉ ዓይነት ሞያ ምኽሪ ብምሃብ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈቀርቂ መንእሰያት ከም ናቱ ኣቐማቕማ ክኽተሉ ክምዕድ’ዩ ክብሉ ይዋዘዩ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሰሜን ኮርያ ናብ ክሊ ማይ ጎረበታ ደቡብ ኮርያ ናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ ከምዘካየደት ተሓቢሩ።

ሰሜን ኮርያ ነቲ ደብዳብ ዘካየደ፣ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ኣመሪካ ደቡብ ኮርያን ዘካይድዎ ዘለዉ ሓበራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ምዃኑ ይግለጽ።

ደቡብ ኮርያ’ውን ነቲ ካብ ሰሜን ዝተፈነወላ ደብዳብ ንምቕዋም ናይ ግብረ መልሲ ደብዳብ እኳ እንተካየደት፣ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ኵናት ከምርሓ ይኽእላ’የን ዝብል ትንታነታት ግና ነጺጋቶ።

ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ን60 ዓመታት ኣብ ቀጻሊ ወትሃደራዊ ምፍጣጥ ዝርከባ እኳ እንተኾና፣ ኣዝቢ 10ታት ዓመታት ብከቢድ ብረት ክደባደባ እዚ ንፈለማ’ዩ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0