ኢማራት ዓረብን ሱዳንን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከካዪዳ እየን

ኢማራት ዓረብን ሱዳንን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከካዪዳ እየን

Radio Erena: 10 December 2017

 uae warshipሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሱዳንን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከካዪዳ እየን።

ብሕቡራት ኢማራት እትውነን ናይ ኲናት መርከብ ብረቡዕ 6 ታሕሳስ ናብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝኣተወትሉ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ናይ ኣቀባብላ ስነስርዓት ገይሮምላ።

ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና መንግስቲ ሱዳን ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብመሰረት ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተገብረ ስምምዕ፣ ቀዳማይ እብረ ናይቲ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ስለዝተዛዘመ፣ ኣብዚ ካልኣይ እብረ ወተሃደራት ክልቲኤን ሃገራት ብተግባር ዝተሰነየ ልምምድ ንምግባር እዩ ሓይሊ ባሕሪ ኢማራት ናብ ሱዳን ኣትዩ ዘሎ።

ከም ዝዝከር ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብዘይካ ኤርትራ ካብ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ሽዱሽተ ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝተዋጽአ ሰራዊት ብሓባር ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ ከባቢ ፖርት ሱዳን ኣካዪዱ እዩ።

እቲ ብድሉው ሓይሊ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝፍለጥ ኣስታት ሓደ ሽሕ ወተሃደራት ዝሓቖፈ ሰራዊት፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከጋጥም ንዝኽእል ኩነታት ህጹጽ ምላሽ ንምሃብ ዝህልዎ ዓቕሚ ንምፍታሽ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

ሱዳን ብሰንኪ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና፣ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከይተሳነየት እያ ጸኒሓ። እዚ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ፣ ሓደ ካብቲ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምምሕያሽ ዓቢ ተራ ክጻወት ትጽቢት ከምዝግበረሉ ወተሃደራውያን ተንተንቲ የመልክቱ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0