ው.ሕ.ሃ. ኤርትራ ንእትርከበን 9 ሃገራት ዝውዕል ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሰሊዑ

ው.ሕ.ሃ. ኤርትራ ንእትርከበን 9 ሃገራት ዝውዕል ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሰሊዑ

Radio Erena: 10 December 2017

unውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ንእትርከበን 9 ሃገራት ዝውዕል ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሰሊዑ።

ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ብዓርቢ 8 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ህጹጽ እዋን ቅልጡፍ ረዲኤት ንዝገብር ኣካል’ቲ ውድብ ዝኾነ (CERF ) ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ባጀት ተሰሊዑሉ ኣብ 9 ሃገራት ስርሑ ከካዪድ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ 2018 ግብራዊ ዝኸውን ሓገዝ ንኤርትራ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ዩጋንዳ፣ ታንዛኒያ፣ ካመሩን፣ ማሊ፣ ፊሊፒንስ፣ ሀይቲን ፓኪስታንን ዝተሰለዐ ምዃኑ ይግለጽ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዘን ሃገራት ዝመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ኣብ’ዘን ሃገራት ግቡእ ኣቓልቦ ከይተገብረሉ ዝኸይድ ዘሎ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ፣ ክንክን ህጻናትን ነፍሰጾር ደቀንስትዮን ዝኣመሰለ ጉዳያት ንምምካት ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ የመልክት።

ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ውድብ ኣብ ናይጀሪያ፣ ሶማልያ፣ ደቡብ ሱዳንን የመንን ዘጋጠመ ደርቂ ንምምካት ናይ 130 ሚልዮን ዶላር ረዲኤት ምልጋሱ ኣይርሳዕን።

CERF ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፣ ብሰንኪ ኲናት፣ ባህርያዊ ሓደጋታትን ካልእን ዘስዕቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምምካት ህጹጽ ረዲኤት ኣብ ምሃብ ዝነጥፍ ኣብ 2005 ዝተመስረተ ክፍሊ’ዩ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0