ሕ.ኤ. ኣብ ኢትዮጵያ ንህጹጽ ረዲኤት ዝውዕል ናይ 15 ሚልዮን ዩሮ ተወሳኺ ሓገዝ ለጊሱ

ሕ.ኤ. ኣብ ኢትዮጵያ ንህጹጽ ረዲኤት ዝውዕል ናይ 15 ሚልዮን ዩሮ ተወሳኺ ሓገዝ ለጊሱ

Radio Erena: 10 December 2017

euሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ንህጹጽ ረዲኤት ዝውዕል ናይ 15 ሚልዮን ዩሮ ተወሳኺ ሓገዝ ለጊሱ።

እቲ ሕብረት ብራስለስ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ብዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ እዚ ተለጊሱ ዘሎ ሓገዝ፣ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ጥሜትን፣ ዋሕዲ መኣዛዊ መግብን ኣብ ምምካት ዝውዕል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዓመተ 2017 ጥራይ ንኢትዮጵያ ናይ 91 ሚልዮን ዩሮ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ምብርካቱ ዝፍለጥ’ዩ።

ኢትዮጵያ ምዝንባዕ ኩነታት ኣየር ብዘስዓቦ ደርቂ ተጎዲኣ እንከላ፣ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ዜጋታታ ተወሳኺ ሽግር ፈጢሮምላ ኣለዉ፣ ድሕሪ ምባል ሕብረት ኤውሮጳ፣ እዚ ሕጂ ዝልገስ ዘሎ ናይ 15 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ፣ ኣገልግሎት ማይ ንምዕባይ፣ ንዕቃበ ከብትን ጥሪትን ኣብ ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝውዕል ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝመጹዋ ስደተኛታት ብምዕቋብ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ያ ትስራዕ። ኢትዮጵያ ኣብ 25 መዕቆብ ስደተኛታት ኣጽሊሎም ዝርከቡ ካብ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ሱዳንን ኤርትራን ዝመጹ ከባቢ 880 ሽሕ ስደተኛታት ኣዕቊባ ትርከብ።

ሕብረት ኤውሮጳ ካብ 2014 ክሳብ 2020 ዝዝርጋሕ፣ ኣብ ልምዓትን ምዕባለን ዝውዕል ናይ 745 ሚልዮን ዩሮ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ከምዝለገሰ ዝፍለጥ’ዩ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0