ኡጋንዳ፣ ዳግማይ ምዝገባ ሞባይል ሲም ካርድን መንነት ወረቐትን ይካየድ

Radio Erena: 20 April 2017

Sim Card

ኣብ ኡጋንዳ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝውንኖ ሞባይል ሲም ካርድ ደጊሙ ከምዝግብ ብዝወጸ ሓድሽ ኣዋጅ መሰረት፣ ልዕሊ 7 ሚልዮን ሰባት ዳግማይ ከምዝተመዝገቡ ኣፈኛ ኮሚሽን መራኸቢታት ኡጋንዳ ኢሳቕ ካለምበ ብምጥቃስ ጋዜጣ ኒው ቪዥን ሓቢራ።

ዝተሓደሰ ወረቀት መንነት ወይ ከኣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ኣብዚ ዳግመ ምዝገባ ከምዝስረዙ’ዩ ዝሕበር ዘሎ።

ኮሚሽን መራኸቢታት ኡጋንዳ (UCC) ብዘውጽኦ ኣዋጅ መሰረት፣ ኣብዘን ካብ 12 ሚያዝያ ኣትሒዙ ኣብዘን ሸውዓተ መዓልታት ሲም ካርዱ ደጊሙ ዘየመዝገበ ነባሪ ኡጋንዳ፣ ሲምካርዱ ከምዘይሰርሕን ኣብቲ ሶምር ካርድ ተመዝጊቡ ዝነበረ ሕሳባት ከኣ ከምዝድስክልን ኣፍሊጡ።

ንሸውዓተ መዓልታት ክካየድ ዝጸንሐ ዳግመ ምዝገባ ሲም ካርድ ኣብ ኡጋንዳ ሎሚ 20 ሚያዝያ ከብቕዕ ምዃኑ’ዩ እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ።

እታ ሃገር ብዘይካ’ዚ’ውን ምዝገባን ምሕዳስን መንነት ወረቐት ተካይድ ኣላ።

ምዝገባ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ውን ኣብ ወርሒ ግንቦት ክካየድ ምዃኑ ዝሓበረ በዓል መዚ ወረቀት መንነትን ምዝገባን፣ ኩሎም 16 ዝመልኡ ዜጋታት እታ ሃገር ሓድሽ ወረቀት መነት ክወሃቦም ምዃኑ ኣስሚሩ።

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ዳግመ ምዝገባ ናይ ሞባል ሲም ካርድን መንነት ወረቐትን ዘካይድ ዘሎ፣ ዲጊታላዊ ሰነድ እታ ሃገር ንምስትኽኻል ምዃኑ’ዩ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ ዳግመ ምዝገባ ናይ ሞባይል ሲምካርድ፣ ንኹሎም እቶም ኣብታ ሃገር ብሕጋዊ ምንበሪ ፍቓድ ዝነበሩ ኤርትራውያን’ውን ከምዝልከቶም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ካምፓላ ኣረጋጊጾም።
============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0