ኢትዮጵያ፣ ኣብ ነሕሰ 2016 ኣብ ዝተጎሃሃረ ናዕቢ 669 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 20 April 2017

Ethio Unrest

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ነሕሰ 2016 ኣትሒዙ ኣብ ዝተኻየደ ናዕብን ተቓውሞ ናይ ዝተቐትልሉ ሰባት ብዝሒ 669 ከምዝበጽሐ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘለዎ ኮሚሽን፣ ነቲ ጉዳይ ከጻርዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰሉስ 18 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርሖ ጸብጻብ’ዩ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓር፣ ኦሮምያን ደቡብን ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ 669 ከምዝበጽሕ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኮሚሽን ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብቶም ዝተቐትሉ 669 ሰባት እቶም 63 ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም 603 ከኣ ሰለማውያን ሰባት ምዃኖም ኣስሚርሉ።

መርበብ ሓበሬታ ኦሮምያን ማሕበራዊ ሜድያታትን ነቲ ኣብ እዋን ባህላዊ ሃይማኖታዊ በዓል እሬቻ ዝተኻየደ ናዕብን ተቓውሞም ከምዘጎሃሃርኦ ዝወቐሰ እቲ ኮሚሽን፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ፈደራል ኮንግረ ኦሮሞን ነቲ ናብ ግጭትን ናዕብን ዝዓረገ ዘይሕጋዊ ሰለማዊ ሰለማዊ ሰልፊ ምውዳደብ ከሲሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ህይወት ኣማኢት ሰባት ዘህለቐ ተቓውሞን ናዕብን፣ ልዕሊ 30 ስሕ ሰባት ክኣስር እንከሎ፣ ካብ ጥቅምቲ 2016 ኣትሒዙ ከኣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ይርከብ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0