ኡጋንዳ፣ ዕድመ ፕረዚደንት የካትዕ

ኡጋንዳ፣ ዕድመ ፕረዚደንት የካትዕ

Radio Erena: 26 July 2017

President of Uganda

ፖለቲከኛታት ኡጋንዳ፣ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ሰፊሩ ንዘሎ ዕድመ ፕረዚደንት ምምሕያሽ ኽግበር ይኽእል’ ዶ? ኣብ ዝብል ነጥቢ ይካታዕ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር፣ ፕረዚደንት ናይ ምዃን መሰል ዘለዎ ዜጋ ዕድሚኡ ካብ 35 ክሳብ 75 ዓመት ክኽውን ይሓትት።

73 ዓመት መሊኡ ዘሎ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዮዌሪ ሙሰቬኒ፣ ኣብ 2021 ኣብ ዝካየድ ምርጫ እታ ሃገር ወዲ 76 ዓመት ስለዝኸውን ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ናብ ምርጫ ክቐርብ ኣይፍቀዶን’ዩ።

እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ዕድመ ብዝምልከት ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ምምሕያሽ ክግበር ክጠልብ ከምዝኽእል’ዮም ተቓወምቲ ወገናት ብኣግኡ ዘጠንቕቑ።

ካብ 1986 ኣትሒዙ ን31 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሰቬኒ፣ ሓደ ካብቶም ምስሊ ኣፍሪቃ ደዊኖም ዘለዉ 10 ዕሉላት ውልቀ መለኽቲ’ዩ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ንልዕሊ 26 ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዘለዉ 10 ዕሉላት መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ እቲ ዝሸምገለ መራሒ፣ 93 ዓመት ዕድመ ኣቑጺሩ ዘሎ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ’ዩ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0