ኡጋንዳ፣ ንፕረዚደንት ሱዳን ነበር ኣልበሺር፣ ከተዕቁቦ ከምእትኽል ኣፍሊጣ

Radio Erena: 18 April 2019

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ንዝተኣልየ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዑቕባ ክህቦ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

ጋዜጣ ደይሊ ሞኒተር ናይ ኡጋንዳ፣ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣል በሺር፣ ኣብ ኡጋንዳ ዑቕባ ንምሕታት ሓሳብ እንተቕሪቡ፣ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ጠለባቱ ከማልኣሉ ቅሩብ ከምዘሎ ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ኣልበሺር፣ ንጉዳይ ደቡብ ሱዳን ንምፍታሕ ብዝገበሮ ጻዕሪ፣ ኡጋንዳ ዘለዋ ኣኽብሮት እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር፣ ኣብ ዳርፉር ፈጺምዎ ብዝተባህለ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከምዘየረክቦ እኳ እንተገለጸ፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ካልእ ሃገር ክወጽእ ክፈቕደሉ- ክኽልክሎ ግና ኣየነጸረን።

ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ድሕሪ ዝተኻየደሉ ዕልዋ፣ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምጽንሑ፣ ትማሊ 17 ሚያዝያ፣ ኮባር ናብ ዝተባህለ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተሰጋገረ ምንጭታት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ብዕልዋ ጨቢጥዎ ዘሎ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክብ ዝብል ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ ጻውዒት ደገፉ ገሊጹ።

ንክልተ ዓመታት ናይ መሰጋገሪ ስልጣን ክሕዝ ምዃኑ ዝገለጸ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ንወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ካርቱም ምብጻሕ ከካይዱ ዕድመ ኣቕሪቡ እዩ።

ሩስያ፣ ብኣንጻሩ፣ ንስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ግብጽን ብምስዓብ፣ ንወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ።

እንተኾነ ህዝቢ ሱዳን፣ ሓድሽ ሲቪላዊ ስርዓት ክሳብ ዝትከል፣ ተቓውምኡ ክቕጽል ምዃኑ ይጭርሕ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0