ኡጋንዳ፣ ሕማም ኢቦላ ከይላባዕ ተሰጊኡ

Radio Erena: 14 June 2019

ካብ ኮንጎ ናብ ኡጋንዳ ዝሰገረ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ብሕማም ኢቦላ ድሕሪ ምሙቱ፣ እቲ ሕማም ኣብ ኡጋንዳ ይላባዕ ከይህሉ ሰበ ስልጣን ጥዕና እታ ሃገር ስግኣቶም ገሊጾም።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ኡጋንዳ ዝሰገረ ቆልዓ፣ ደም ዝተሓወሶ ተምላስን ተቅማጥን ስለዝተራእዮ፣ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ’ዩ ኢቦላ ምዃኑ ብመርመራ ተረጋጊጹ።

ኣብቲ ሆስፒታል፣ ንክልተ መዓልታት ተዓቝቡ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ሞይቱ።

ምስቲ ቆልዓ ዝሰገሩ ክልተ ቤተ ሰቡ፣ በቲ ሕማም ተጠቒዕም ከምዘለዉ እቲ ሆስፒታል ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።

ኡጋንዳ፣ ምልክታት እቲ ሕማም ናብ ዝተራእየሉ ከባቢ ዝዋፈሩ 4700 ሰብ ሞያ ጥዕና ነይ መከላኸሊ ክታበቲ ሂባ ኣላ።

ጎረቤት ሃገር ኡጋንዳ ኣብ ዝኾነት ኮንጎ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ምልክታት እቲ ሕማም ከምዝተራእዮም ጸብጻባት ሕክምና እታ ሃገር የመልክት።

ኣብዚ ብዕብየትዩ ንኻልኣው እዋኑ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ኢቦላ፣ ህወይት 1400 ሰባት ቀዚፉ ኣሎ።

ካብ 2013 ክሳብ 2016 ኣብ ዘሎ ዓመታት፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ልዕሊ 11 ሽሕ ሰባት ብብሕማም ኢቦላ ከምዝሞቱ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የገንዝብ።

ኢቦላ፣ ብቫይረስ ዝመሓላለፍ ኮይኑ፣ ብርቱዕ ረስኒ፣ ተምላስ፣ ምሕርሓር ጎረሮ፣ ናይ ጭዋዳታት ቃንዛ ዝኣመለሉ ምልክታት ብምስዓብ፣ ናብ ሞት ዘብጽሕ ተላባዒ ሕማም’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0