ምስቲ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ዘካየድዎ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሩ ዝጸንሐ መንእሰይ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ

Radio Erena: 14 June 2019

ምስቲ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ፣ ዘካየድዎ ተቓውሞን ብዝተሓሓዝ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ መንእሰይ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ከምዝዓረፈ ምንጭታት ኣኽርያ ኣረጋጊጾም።

እቲ ብ ‘መታ’ ዝፍለጥ ስዒዲ መሓመድ ዓሊ ዝተባህለ ኣብ ክሊ 30ታት ዝርከብ መንእሰያ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ድሕሪ ምዕራፉ፣ ትማሊ ሓሙስ 13 ሰነ፣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ዝርከብ መቓብር ሸኽ ኣል ኣሚን ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ሞት ናይቲ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ ህዝቡብ ዝነበረ መንእሰይ ኣኽርያ፣ ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብፍላይ ኣብ መዛንኡ ሓያሎ ቁጠዐ ከምዝፈጠረ’ውን ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ፈለጥቱ ገሊጾም።

ድሕሪ’ቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ 2017፣ ተማሃሮ ናይታ ብ እንዳ ‘ስታዝ በሺር’ እትፍለጥ ዲያእ ኣል እስላምያ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ካብ ዝተኣስሩ፣ መማህራን፣ ወለዲን ተማሃሮን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ሰለስተ በጺሑ ኣሎ።

ምስቲ ተማሃሮ ድያእ ኣል እስላምያ ዘካየድዎ ተቓውሞን፣ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ፣ ናዕቢ ከተካይዱ ሓሲብኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ፣ ልዕሊ 100 ተማሃሮ፣ ወልዲን መማህራንን ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Bselam erefu ahwat kulatkum etom ne fethi zteqaleskum, qalsekum keketsel u sgab eta fethawit Eritrea tmetsee.