ኣብ ፈረንሳ፣ ንኩነታት ስደተኛታት ኤርትራ ዝምልከት ዓውደ ዘተ ተኻይዱ

ኣብ ፈረንሳ፣ ንኩነታት ስደተኛታት ኤርትራ ዝምልከት ዓውደ ዘተ ተኻይዱ

Radio Erena: 26 July 2015

sinai

ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ጉዕዞኦም ዘጋጥሞም ምጭዋይን ካልእ ሓደጋታትን ኣመልኪቱ ዝዘተየ ዓውደ ዘተ ኣብ ፈረንሳ ተኻዪዱ።

ኣብቲ ብሃይማኖታዊ ትካል ሳንተ ፈይ ተወዲቡ ንሳልስቲ ዝቀጸለ ዝተፈላለየ ንጥፈታት፤ ከም ሰሚናራት፤ ዘተን ክትዕን፤ ስእላዊ ኤግዚቢሽን ዘጠቃለለ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ብነበርቲ ከተማ ኮንክ ቅነ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተሰምየ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ቀሺ ፕየኽ ኣድኺያን ኣብ ዘስሞዖ ቃል፤ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ድማ እቶም ብጨወይቲ ጅሆ ተታሒዞም ከቢድ ስቃይ ዘሕለፉ፤ ኩነታቶም ዓለም ክትፈልጠሎም ጻዕርታት ክካየድ ጸዊዑ።

 

ኣብ ሲናይ ብበዳውያን ተጨውዮም ዝነበሩ፤ ዘሕለፉዎ መሪር ስቃይን መከራን እተንጸባርቅ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከባ መደበራት ተለቪዥን ዝተራእየትን ዓቢ ኣድናቆት ዘትረፈትን ደኩመንታሪ ፊልም ኣብ ዝተራእየትሉ፤ ንልቢ ተሳተፍቲ ሰሚናርን ነበርቲ ከተማ ኮንክን ዝመሰጠት ኣብ ርእሲ ምንባራ፤ እቲ ዝተዳለወ ስእላዊ ኤግዚቢሽንን መብርሂታትን፤ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዘለዉ ዘብረሀ ምንባሩ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ሰሚናራት ኤርትራውያን ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት፤ ዲፕሎማሰኛታት፤ ኣህጉራውያን በርገሳውያን ማሕበራትን ሰበስልጣን መንግስቲ ፈረንሳን ተረኺቦም ኔሮም።

ክቡራት ሰማዕትና ሓጺር ጸብጻብ ናይዚ ዜና ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ከነቅርቦ ምኻንና ኣቀዲምና ንሕብር።

=====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0