ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 1200 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 1200 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም

Radio Erena: 26 July 2015

rescue

ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣገዳሲ ዛዓባ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ አዋን፤ ልዕሊ ሽሕን ክልተ ሚአትን ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ጽዒና ዝነበረት መርከብ ካብ ምጥሓል ከምዝደሓነት ተገሊጹ።

አቶም ህይወቶም ንስክላ ዝደሓነት ስደተኛታት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኖርወይን ኣየርላንድን ብዝገበሩዎ ጻዕሪ ምኻኑ ተሓቢሩ። ብሓፈሽኡ ኣብዚ ዓመትዚ ጥራይ ቁጽሪ ብመዲተራንያን ናይ ዝሰግሩ ስደተኛታት ልዕሊ ሚአትን ሓምሳን ሽሕ በጺሑ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት የመልክት።

ዝበዝሑ ካብዞም ኣብዚ ሳልስቲ ዝደሓኑ ስደተኛታት ዜጋታት ሶርያን ኤርትራን ምኻኖም ይግመት።

ማአከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ዝሰግሩ ስደተኛታት ቁጽሪ ኤርትራውያን ንዜጋታት ሶርያ ተኸቲሎም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይርከቡ።

 

ናብ ኢጣልያን ግሪኽን ዝኣተዉ መብዛሕቶንም ዜጋታት ኤርትራን ሶርያን ዝርኬብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት፣ ናብ 28 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንምምቕርሖም ሃገራት እቲ ሕብረት ተደጋጋሚ ዘተ ካከይዳ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ሚኒስተራት እዘን ሕብረትእውን ኣቐዲሞ ብ9 ሓምለ ኣብ ሉክሰንበርግ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ብዛዕባእቲ ከሰማምዖም ዘይክኣለ ምቕረሐ ብዝሒ ስደተኛታት ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክበጽሑ’ውን ተረዳዲኦም ምንባሮም ይዝከር።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፤ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ምሉእ ዓለም ዘዛርብ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ኣመልኪቱ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቅሪቡ።

እቲ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝወጸ መግለጺ፤ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት ዘምርሑሉ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያት ብጸላእቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተወደበ እዩ ድሕሪ ምባል ጎስጋስን ጌጋ ሓበሬታ ብምሃብ ንመንእሰያት የስድዑ ከምዘለዉ ይኸስስ።

ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ሱር መሰረቱ እቲ ብስርዓተ ሕጊ ዘይኮነ ብራዕዲ ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ እዩ ክብሉ ርእይቶኦም ዝህቡ ኤርትራውያንን ኣህጉራውያንን ተጣበቅቲ መሰላት ብወገኖም እቲ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ከውጽእ ላግጺ ካብ ምኻን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ከምዘይክእል የመልክቱ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ፤ ገለ ኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዋፊረን ከምዘለዋ ድሕሪ ምኽሳ ስ፤ እቲ ውድብ ነዚ ጉዳይ እተጻሪ ኮሚሽን ክትቀውም ጸዊዑ።

መንግስቲ ኤርትራ ነታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመዚዛ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስዉርን ግሁድን ምግሃስ ሰብ ኣዊ መሰላት ንኸተጻሪ ዝቆመት ኮሚሽን ናብ ኤርትራ ኣትያ መጽናዕታ ከይተካይድ ከልኪሉዋ ከብቅዕ፤ ሕጂ ነቲ ብሰንኪ ሕሱም ምሕደሩኡ ዓዱ ገዲፉ ዝስደድ ዘሎ ህዝቢ መመኻነዪ ንምድላይ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ዲፕሎማስያዊን ሜድያን ሃልኪ፤ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ብዙሕ ተቀባልነት ክረክብ ከምዘይኮነ ብኣግኡ ይትንተን።

=====================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0