ንኣስታት ሓደ ወርሒ፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ክሕከም ዝጸንሐ ፕረዚደንት የመን፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተመሊሱ

Radio Erena: 04 September 2020

ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተሰዲዱ ዝርከብ ፕረዚደንት የመን፣ ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብ ሕክምና ድሕሪ ምጽንሑ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ሪያድ ከምዝተመልሰ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት፣ ናብ ኣመሪካ ንሕክምና ዝኸደሉ ምኽንያት ድኻም ልቢ ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

የመን፣ ኣብ ትሕቲ ሑቲ ድሕሪ ምውዳቓ ምስ ዝበዝሑ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝሃደም ፕረዚደንት ሓዲ፣ ብዘይፍቓድ ስዑዲ ዓረብ ናብ ዝኾነት ሃገር ክንቀሳቐስ ከምዘይክእል’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝመራሕተን ኤርትራ እትርከበን ናይ ልፍንቲ ሃገራት፣ ካብ 2015 ኣትሒዘን ንሑቲ ንምድምሳስ ዘካየድዎ ኵናት፣ ከምቲ ዝመደብኦ ክሰልጠን ብዘይምኽኣሉ፣ እቲ ክድግፍኦ ዝጸንሓ መንግስቲ ዛጊት ናብ ሃገሩ ክምለስ ኣይከኣለን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0