ንኢትዮጵያ፣ ኬንያን ታንዛንያን ዘራኽብ መስመር ሓይሊ ኤለክትሪክ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ክዛዘም ምዃኑ፣ በዓል መዚ ኤለክትሪክ ኬንያ ሓቢሩ

Radio Erena: 05 July 2022

እቲ ብመንግስቲ ዝውነን በዓል መዚ ኤለክትሪክ ኬንያ፣ ናይሮቢ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መስመር ኬንያ-ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፣ መስመር ኬንያ-ታንዛንያ ከኣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ክዛዘም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ረብሓ ናይዚ መርበብ ኤለክትሪክ፣ ኣብ መንጎ’ዘን ሃገራት ዝግበር ናይ ጸዓት ንግዲ፣ ብዘይዕንቅፋት ካብን ናብን ክመሓላለፍ ዝሕግዝ እዩ ክብል እቲ ትካል ይገልጽ።

ኢትዮጵያ ንሰደድ ካብ ዝዓለመቶ ኤለክትሪካዊ ጸዓት፣ ናብ ኬንያ ክትሸይጥ፣ ኬንያ ከኣ ናብ ታንዛንያ ከተመሓላልፍ ዝብል ስምምዕ፣ ሰለስቲኤን ሃገራት ክሰርሓሉ ከምዝጸንሓ ይግለጽ።

ኬንያ ካብ እተፍርዮ ጸዓት ኤለክትሪክ፣ ካብ ኢትዮጵያ እታው እትገብሮ ኣዝዩ ብዋጋ ስለዝሓስር፣ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ዓቢ ለውጢ ከምጽእ ትጽቢት ኣለና፣ ክብል በዓል መዚ ኤለክትሪክ ኬንያ ይትስፎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0