ሱዳን፣ ህዝባዊ ናዕቢ ብሰፊሑ ይቕጽል

Radio Erena: 05 July 2022

ካብ ሓሙስ 30 ሰነ ዝጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ ናህሩ ከይዘሓለ ገና ይቕጽል ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ወተሃደራዊ መንግስቲ’ታ ሃገር፣ ሰልፈኛታት ንምብታን ጎነጽ ምጥቃሙ፣ ብውሑዱ ትሽዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 600 ከኣ ቆሲሎም ሕክምናዊ ረዲኤት ይግበረሎም ምህላዉ ተገሊጹ’ዩ።

ኣብ ዓበይትን ንኣሽቱን ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ብሓባር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ኣብያ፣ ሰልፈኛታት፣ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ክራጸሙ፣ ጎማታት መኪና ከቃጽሉን መንገድታት ብደናጉላ ክዓጽዉን ከምዝተራእዩ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንጋዜጠኛታት ቃሎም ሂቦም።

ኣብቲ ናይ ዕለት 3ን4 ሓምለ ውዕሎኦም ሰልፈኛታት፣ ብዝያዳ ካብቲ ጎንጺ ሃዲኦም፣ ኣብ ኣፍደገ ኣገደስቲ መንግስታውያን ቤት ጽሕፈታት ኮፍ ብምባል ነቲ ኣብያኦም ይቕጽልዎ ምህላዎም ይግለጽ።

ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ፣ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ብዕልዋ ካብ ዝሕዝ ንደሓር ብሓድሽ ማዕበል ዝጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ እቲ ጉጅለ፣ ስልጣኑ ንሲቪላዊ መንግስቲ ከረክብ ዝጽውዕ እዩ።

እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ናይ ሓቂ ጠያይት ናብ ህዝቢ እንዳተኮሰ እውን ከይተረፈ ብዘይ ዕረፍቲ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክቖጽዮ ምፍታኑ፣ ብዝሒ ናይ ዝሞቱን ዝቖስሉን ዘለዉ ሰባት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይውስኽ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0