ንቅትለት ኤርትራዊ ስደተኛታ ኣብ እስራኤል እተንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም ተዓዊታ

ንቅትለት ኤርትራዊ ስደተኛታ ኣብ እስራኤል እተንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም ተዓዊታ

Radio Erena: 30 May 2016

Doc

ንቅትለት ኤርትራዊ ስደተኛታ ኣብ እስራኤል፣ ሃብቶም ወልደሚካኤል ዘርኦም እተንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም፣ ኣብ እስራኤል ዝበለጸት ደኩመንታሪ ፊልም ተዓዊታ።

እታ ‘ቅትለት ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ’ ( Death in the Terminal) ዝተሰምየት ደኩመንታሪ ፊልም፣ ነቲ ኣብ 18 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ባር ሼባ ኣብ ኣብ ዝርከብ ዓርፎ ኣውቶቡስ ብዘስካሕኽሕ ኣገባብ ዝተቐትለ ኤርትራዊ መንእሰይ ዘተኮረት ኮይና፣ ብሓፈሻ ኣብ እስራኤል ንስደተኛታት ዝገጥሞም ግፍዕን ዓሌታዊ ኣድልዎን እተንጸባርቕ’ያ።

ብታሊ ሸመሽን ኣሳፍ ሱድሪን ዝተኣልየት Death in the Terminal ኣበርክቶ ናይ ሓያሎ ኤርትራውያን ዘለዋ’ያ።

 

ዝበለጸት ደኩመንታሪ ፊልም ተባሂላ ኣብ 27 ግንቦት ምዕዋታ ከኣ፣ ነቲ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ዝገጥሞም ዘሎ መከራታት ብዝያዳ ብምጉላሕ፣ ኣተክሮ ህዝቢን ፖለቲከኛታትን ክትቅጽቅስ ትጽቢት ይግበረላ።

ኣብ እስራኤል፣ ከተማ ባር ሸባ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቀትለ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ፣ ብጥይት ተሃሪሙ ድሕሪ ምውዳቑ ብጠዋሉን በእጋሮምን ዝሃረምዎ ኣርባዕተ እስራኤላውያን ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት እዚ ክሲ ተመስሪትሎም ጉዳዮም ይጻረ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ምሕባረን ኣይርሳዕን።

ነቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ምጭፍጫፍ ኢዶም ካብ ዝሓወሱ ኣርባዕተ እስራኤላውያን፣ ሓደ ኣባል ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ዝኾነ ፖሊስን ሓደ ከኣ ወትሃደርን ከምዝርከብዎም፣ ይንገር።

ወዲ 29 ዓመት ሃብቶም ወልደሚካኤል ፣ ብ18 ጥቅምቲ፣ ኣብ ከተማ ባር ሸቫ፣ ኣብ መደበር ኣውቶቡስ ኣብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፈጸሙ ክልተ ሰባት ሓደ ስለዝመሰሎም፣ ተኾሲሞም ኣብ ከባቢ እግሩ ድሕሪ ምቑሳሎም፣ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብመናብርን ካልእን ጨፍጪፎም’ዮም ብዘውረድሉ ከቢድ ከቢድ ጉድኣት ናብ ሆስፒታል ምስ ተወስደ’የ ህይወቱ ከምዝሓለፈት ይዝከር።

እስራኤላውያን ነቲ ተራ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ብግፍዒ እናተቐተልዎ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ (ቪድዮ) ብናይ ሞባይል ካሜራታት ተቀዲሑ ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ሓያሎ ቁጠዐ ከምዝፈጠረ ኣይርሳዕን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0