ፕረዚደንት ቻድ ነበረ ሒሰን ሃብረ፣ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ብዝፈጸሞ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ

ፕረዚደንት ቻድ ነበረ ሒሰን ሃብረ፣ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ብዝፈጸሞ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 30 May 2016

Has

ፕረዚደንት ቻድ ነበረ ሒሰን ሃብረ፣ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ብዝፈጸሞ ገበናት ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ።

እቲ ፕረዚደንት ነበረ፣ ክሱ ኣብቲ ደገፍ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝረኸበ ኣብ ሰኔጋል ዝቐመ ቤት ፍርዲ ክርአ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ንዜጋታት ብጊላነት ምሓዝን ኣሽሓት ከኣ ግዳያት ሞት ብምግባሩን ዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛታት ምዃኑ ብምርግጋጽ’ዩ ንሕልፈት ክእሰር ሎሚ 30 ግንቦት ውሳኔ ሒቡ።

ሒሰን ሃብረ ካብ 1982 ክሳብ 1990 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣስታት 40 ዜጋታት እታ ሃገር ብእትዛዙ ከምዝተቀሉ’ዩ ዝግለጽ።

 

እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ 1990 ብእዋናዊ ፕረዚደንት እድርሲ ደቢ ብዝተኻየደሉ ዕልዋ ናብ ሰኔጋል ሃዲሙ እኳ እንተተዓቝቡ፣ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሓያሎ ሃገራትን ኣንጻሩ ክኽቀርብ ብዝጸንሐ ክስታት ኣብ 2013 ተቐይዱ ጉዳዩ ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ክርአ ጀሚሩ።

እቲ ኣብ ሰኔጋል ዝቖመ ናጻ ቤት ፍርዲ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ደገፍ ዝረኸበ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ሰኔጋል ኣብ ስደት ኣጣጢሑ ክነብር ዝጸንሐ ፕረዚደንት ነበር ሓሰን ሃብረ ግና ነቲ ቤት ፍርዲ ከምዘይቅበሎ ብምግላጽ ናብቲ መጋባኣያ ከምዘይቐርብ’ዩ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ሰኔጋል፣ ነቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ሂብዎ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቻድ ነበረ ዝተኸሰሰሉ ገበናት ክጻሪ ናብ ዝቖመ ናጻ ቤት ፍርዲ ብፍሉያት ሓይልታት ጸጥታ ብግዴታ ተጸይሩ ከምዝቐርብ ምግባሩ ኣይርሳዕን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0