ንማያት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣእትያ ዘላ መርከብ የመን፣ ንጽገናኣ ብዝምልከት ዝተኻየደ ዝርርብ ፍረ ኣይተረኽቦን

Radio Erena: 16 August 2020

ንማያት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣእትያ ዘላ ዘይተጻረየ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ የመን፣ ንጽገናኣ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራትን ኣልሑቲን ዝተኻየደ ዝርርብ ገና ፍረ ከምዘይተረኽቦ ተገሊጹ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ወደብ በይሩት፣ ከምኡ’ውን ገማግም ባሕሪ ሞውሪሸስ ዝተራእየ ሸለልትነት ዘስዓቦ ዕንወት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይድገም ካብ ዝብል ስግኣት ተበጊሱ፣ ምስ ኣልሑቲ ናይ የመን ዝርርብ ከካዪድ ከምዝወሰነ እዩ ዝገልጽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት።

እንተኾነ እታ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ገረወይና ዘይተጻረየ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፣ ንኽትጽገን ዝወጸ እማመ ኣልሑቲ ስለዘይተሰማምዓሉ፣ እቲ ሓደጋ ንኤርትራ፣ ስዑዲ ዓረብን የመንን ብከቢድ ክጸልወን ከምዝኽእል ይግለጽ።

ካብ 2015 ኣትሒዛ ብዘይዝኮነ ጽገና ኣብ ከባቢ ወደብ ሖደይዳ ተዓሺጋ ዘላ እዛ ነዳዲ እተመላልስ መርከብ፣ ኣብ ኣከባቢ ክስዕብ ንዝኽእል ዕንወት ንምቁጽጻር ብዝብል ዕላማ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዘውጸኦ እማመ፣ ጉጅለ ክኢላታት ናብ የመን ብምጉዓዝ መጽናዕቲ ክገብሩ ተወሲኑ እኳ እንተነበረ፣ ኣልሑቲ፣ ነቶም ክኢላታት ካብ ሓደ መዓልቲ ዝዛይድ ግዜ ከፍቅደሎም ከምዘይኮነ እዩ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ከተማ በይሩት ዝርከብ ወደብ ዘጋጠመ ባርዕን ነትጒን፣ ኣከባቢያዊ ብከላ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሰብ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ክብደቱ ስለዝተራእየ፣ ቅጽበታዊ ፍታሕ ዘድልየሉ እዋን ሕጂ’ዩ’ ክብሉ ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንማዕከናት ዜና ቃል ሂቦም።

ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ብወገኑ፣ ኣልሑቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ የመን ክኣቱ ዘየፍቅድ እንተኾይኑ፣ ብውሑዱ ጀርመን ወይ ሽወደን ኣብ ጽገና እታ መርከብ ክዋፈራ ዝብል እማመ ኣቕሪቡ’ዩ።

ኣፈናዊ መጽናዕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፣ እታ መርከብ ንዓመታት ጽገና ስለዘይተገብረላ ናብ ሞተረ ብዝለሓዅ ማይ እዩ እቲ ጠንቂ ጀሚሩ። ዝዓበየ ሓደጋ ኮይኑ ዘሎ ግና ብሰንኪ ምብልሻው እቲ ሞተረ፣ ጋዝ ዝተዓቑረሉ ቢዶኒታት ካብ ንቡር ንላዕሊ ይረስን ስለዘሎ፣ ነትጕ ክፈጥር ዓቢ ተኽእሎ ከምዘሎ የርእይ።

እቲ ሓደጋ እንተስዒቡ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ዝወርድ ዕንወት፣ ቀንዲ ምንጪ ህይወት የመናውያን ኮይኑ ዘሎ ወደብ ሖደይዳ ምሉእ ብምሉእ ክዕጸው ስለዝኾነ፣ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ናብ ዝኸፈአ ደረጅኡ ክወርድ ምዃኑ ክኢላታት የጠንቅቑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0