ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ዳግማይ ክበራበር ተስፋ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 16 August 2020

ንኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዳግማይ ክበራበር ተስፋ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ብዓርቢ 14 ነሓሰ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ጉዳይ ፈለግ ናይል ብዘተ ጥራይ ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነቲ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ምክያዱ ሓደ መዓልቲ ድሒሩ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ሙስጣፋ ማድቡሊ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ካርቱም ኣትዩ።

ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ዘውጸኦኦ ናይ ሓባር መግለጺ፣ ተቛሪጹ ዘሎ ዘተ ኣብ መንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ክቕጽል ዘኽእል እማመታት ብምሕንጻጽ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ክብጻሕ ከምዘለዎ ተሰማሚዐን።

ግብጺ፣ ነቲ ጉዳይ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክኣትዎ ምሕታታ ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ ኢትዮጵያ፣ ምትእትታው ሳልሳይ ኣካል እንተተደልዩ ዞባውያንን መሻርኽቲ ሃገራትን ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጻ እዩ፣ ብመንጎኝነት ደቡብ ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን እቲ ዘተ ቀጺሉ። እንተኾነ ንሱ’ውን ፍረ ከይተረኽቦ ኣብ ዕጹው ማዕጾ እዩ በጺሑ።

ብሰንኪ’ዚ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ዝተፈጥረ ወጥሪ ኣብ መንጎ’ዘን ሰለስተ ሃገራት፣ ናብ ዲፕሎማስያዊ ቁርቁስ ክዓርግ ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሉን። ካብኡ ከይሓልፍ ግና ኩሎም ወገናት ብርግኣት ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0