“ንህዝቢ የመን ንምሕጋዝ 2.6 ቢልዮን ዶላር መብጽዓ ተኣትዩ።” ሕ/ሃ

“ንህዝቢ የመን ንምሕጋዝ 2.6 ቢልዮን ዶላር መብጽዓ ተኣትዩ።” ሕ/ሃ

Radio Erena: 28 February 2019

yemen

ኣብ የመን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ንዝተፈጠር ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ንረዲኤት ዝውዕል ናይ 2.6 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ መብጽዓ ተኣትዩ ከምዘሎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶዮ ጉተረስ ኣፍሊጡ።

ነዚ ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ህጹጽ ረዲኤት ኣብ ምብጻሕ፣ ሕቡራት ሃገራት 4 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ እኳ እንተነበረ፣ ዛጊት 2.6 ቢልዮን ዶላር ምርካቡ ከም ዓቢ ዓወት ከምዝርእዮ እቲ ዋና ጸሓፊ ገሊጹ።

ንሱ፣ ነዚ ዝገለጸ ድሕሪ’ቲ ሓደ መዓልቲ ዝወሰደ፣ ኣብ ጄኔቫ ዝተኻየደ ዋዕላ ህጽጽ ረዲኤት ንየመን’ዩ።

ካብተን ነቲ ገንዘብ ዝመወላ ሃገራት፣ ኣብ ኵናት የመን ብቀጥታ ዝዋስኣ ዘለዋ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ነፍሲ ወከፈን ፍርቂ ቢልዮን ክመባጽዓ እንከለዋ፣ ሕብረት ኤውሮጳ 182 ሚልዮን፣ ባሕሬን 150 ሚልዮን፣ ጀርመን ድማ 114 ሚልዮን መብጽዓታት ኣትየን ኣለዋ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣስታት 20 ሚልዮን ካብ ህዝቢ የመን ህጹጽ ናይ መግቢን መድሃኒትን ሓገዝ የድልዮ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ የመን መጥቃዕቲ ካብ ዝጀመራሉ ኣብ 2015 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣሽሓት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ሚልዮናት ከኣ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0