ሶማልን ቀጠርን ዝምድንአን ብዝያዳ ንምሕያል ይሰማምዓ

ሶማልን ቀጠርን ዝምድንአን ብዝያዳ ንምሕያል ይሰማምዓ

Radio Erena: 28 February 2019

qatar somal

ሶማልን ቀጠርን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐን ዝምድና ብዝያዳ ንምድልዳሉ ሓድሽ ስምምዓት ከቲመን።

እዚ ስምምዓት ዝኽተም ዘሎ፣ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ኣብ ቀጠር ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ናብ ቀጠር ኣምሪሑ ዘሎ፣ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብን ሕብረት ኤውሮጳን ድሕሪ ምስታፍ’ዩ።

ንሱ፣ ትማሊ ሮቡዕ፣ 27 ለካቲት፣ ኣብ ኣዶሓ፣ ምስ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ብምርኻብ፣ ኣብ ዝጸንሑ መደባትን ብሕጂ ዝትግበሩ ንጥፈታትን ተመያይጦም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

ኣቐዲማ 67 ወትሃደራውያን መካይን ንመንግስቲ ሶማል ዝሃበት ቀጠር፣ ስትራቴጅያውን ጽርግያታት እታ ሃገር ብቕጥራን ንምሕዳስ ናይ 200 ሚልዮን ዶላር ምወላ ትገብር ከምዘላ ይፍለጥ።

መንግስቲ ሶማል፣ ምስ ቀጠር ዘለዎ ዝምድና ክበትኽ ብስዑዲ ዓረብ ንዝተገብረሉ ጸቕጢ ብምንጻግ’ዩ ምስ ቀጠር ዝጸንሖ ታሪኻዊ ምሕዝነቱ ዘደልድል ዘሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0