ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ዕደና፣ ኣብ ሃይኮታ ኩዕታ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 28 April 2017

Ortac

ኣብ ኤርትራ ናይ ዕደና ፍቓድ ዝረኸበ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ኦርታክ፣ ኣብ ከባቢ ሃይኮታ ኩዕታ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣንድያሞ ምስ ዝተባህለ ካልእ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ብሕብረት ዝሰርሕ ዘሎ ኦርታክ ኣብቲ ብ26 ሚያዝያ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ናይ ሃይኮታ ፕሮጀክቱ ኣብ ኩዕታ ወርቂን ነሓስን ዘተኮረ ከምዝኸውን’ውን ጠቒሱ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ዝተፈላለያ ማዕድናት ዝተዋፈራ 16 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኣለዋ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብተን ፍርያተን ንዕዳጋ ከቕርባ ዝጀመራ ክልተ ኩበንያታት ዝረኽቦ ዘሎ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት፣ ብዘይኣፍልጦ ህዝብን ተሓታትነትን ይጥቀመሉ ከምዘሎ’ዩ ዝውቀስ።

 

 

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0