ጅቡትን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ወትሃደራውን ጸጥታውን ጉዳያት ስምምዕ ይኽትማ

Radio Erena: 28 April 2017

DJ Saudi

ጅቡትን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ወትሃደራውን ጸጥታውን ጉዳያት ብሓባር ክሰርሓ ዘኽእለን ሓያሎ ስምምዓት ከቲመን።

እዘን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝኸተማ፣ ብሚኒስተር ምክልኻል ጅቡቲ ዓሊ ሓሰን ባሕዱን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ጅቡቲ ናብታ ሃገር ብምምራሕ፣ ብ26 ሚያዝያ ምስ ንጉስ ሳልማንን ወራሲ ዓራትን ሚኒስተር ምክልኻልን እታ ሃገር መሓመድ ቢን ሳልማንን ብምርኻብ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን’ዩ።

ኣብቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተኸተመ ዝርርብ፣ ካብ ወገን ጅቡቲ ብዘይካ ሚኒስተር ምክላኻል፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ጣሃር ዓሊ መሓመድ ዝርከቦም ሓያሎ ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ክሳተፉ እንከለዉ ካብ ወገን ስዑዲ ዓረብ ከኣ ሓያሎ ሰበ ስልጣን ተረኺቦም።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ምዃና ዝሓለፈ ዓመት ብወግዒ ምሕባራ ይዝከር።

ሃገራት ዓረብ ብፍላይ ድማ ስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን ምስ ኩነታት የመን ብዝተሓሓዝ ናብታ ሃገር ቅርበት ምስ ዘለወን ኤርትራን ጅቡትን ሓያሎ ወትሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት ክኽትማ እንከለዋ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራን ሶማሊላንድን ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም እንከላ፣ ስዑዲ ዓረብ ድማ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ምድኳኑ ትርከብ።

ኣብ መንጎ ዝምድና ምስ ሃገራት ዓረብን ምስሕሓብ ምስ ኢትዮጵያን ተቐርቂራ እትርከብ ግብጺ’ውን፣ ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎታት ትዘራረበሉ ከምዘላ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይጠቕሱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0