ናይ መባእታ ቤት ትምህርታት እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ህጻናት፣ ከይምዝግባ ንዘካዪዶኦ ዘለዋ ምድንጓያት ብዝምልከት ክሲ ቀሪቡ

Radio Erena: 15 July 2019

ናይ መባእታ ቤት ትምህርታት እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ህጻናት፣ ከይምዝግባ ንዘካዪዶኦ ዘለዋ ምድንጓያት ብዝምልከት ክሲ ቀሪቡ።

ማዕከን ዜና ሃረጽ ብዕለት 9 ሓምለ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃይፋ ኣካል ሕጊን ፖሊሲ ትምህርትን ሃራን ሪችማን ዝቐረበ ክሲ፣ ብምምሕዳራት ከተማ ዝውነና ናይ መባእታ ቤት ትምህርታት ኮነ ኢለን ቢሮክራስያዊ ኣሰራርሓ ብምትግባር፣ ኤርትራውያን ህጻናት ከይመሃሩ ይኽልክላ ኣለዋ ዝብል እዩ።

ኣቐድም ኣቢሊ ኣብ 2016 ተመሳሳሊ ፍጻሜ ከምዝተኻየደ ዝሓበረ ሃረዝ፣ ክሲ ተመስሪቱ እቶም ተመሃሮ ክምዝገቡ እኳ እንተተፈቐደ፣ ዝተመደቡሉ ኣብ ውሱናት ኣርባዕተ ቤት ትምህርታት፣ እኹል መሳለጥያ ዘይብለንን፣ ንኣፍሪቃውያን ጥራይ ዘአንግዳ ብዃነን፣ ኣብታ ሃገር ርኡይ ዓሌታዊ ጸገም ከምዘሎ ዘርእይ እዩ ክብል ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ እስራኤል እቶም ኤርትራውያን ህጻናት ክመሃሩ ከምዝግባእ ውሳኔ እኳ እንተሕለፈ፣ ነቲ ጉዳይ ግቡእ ኣቓልቦ ሂቡ ስለዘይተኸታተሎ ግና ሓያሎ ብምምሕዳር ከተማ ዝውነና ቤት ትምህርታት ገና ነዚ ዓሌታዊ ተግባራተን ካብ ምፍጻም ኣየቋረጻን።

ብመሰረት ሕጊ እስራኤል፣ መበቆል ሃገሩን ዓሌቱን ብዘየገድስ፣ ዝኾነ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ህጻን ቤት ትምህርቲ ናይ ምእታው መሰል ከምዘለዎ የነጽር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0