ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ናይቶም ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ እንከለዉ ዝተቐትሉ ሰባት ናይ ዝኽሪ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም

Radio Erena: 15 July 2019

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ናይቶም ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ እንከለዉ ዝተቐትሉ ሰባት ዝኽሪ ንምክያድ ኣብ በበይኑ ከተማታት እታ ሃገር ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ኣብቲ ብቀዳም 13 ሓምለ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካዪዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ንጹሃን ዜጋታት ዝወረደ ህልቂት ብምኽትል ኣቦ ወንበር ወተሃደራዊ ቆንስል ዝምራሕ ምልሻ ጃንጃዊድ እዩ ክብሉ ጨሪሖም።

ናይቶም ዝተቐትሉ ስእልታት ሒዞም ‘ሰማእታት ሰውራ’ ኢሎም ብምጭራሕ ከኣ፣ ተሓተትቲ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ጸዊዖም።ናይ

ኣብ ሱዳን ኣገልግሎት ኢንተርነት በብቁሩብ ክሰርሕ ጀሚሩ ብምህላዉ ናይቲ ብዕለት 3 ሰነ ዝተኻየደ ህልቂት ቪድዮታት ናብ ማሕበራዊ ሜድያታት ክዝርጋሕ ጀሚሩ ኣሎ።

ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጥቡቕ ዝምድና ዝምስርት ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ምልሻ ጃንጃዊድ ነቲ ህልቂት ዝፈጸመሉ ሒደት ደቓይቕ ኣቐዲሙ፣ ስሩዕ ሰራዊት ካብቲ ከባቢ ከምዝስሕብ ምግባሩ ብሓያሎ ወገናት ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0