ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ፣ምጽራይ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ

Radio Erena: 15 July 2019

ህዩማን ራይትስ ዎች ዝርከቦም ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰብ፣ ነቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምጽራይ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ዝወሰዶ ውሳኔ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ።

ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከተጻርይ ዝቖመት ጉጅለ፣ ኣብዚ ንሓደ ዓመት ዝተናወሐ ዕማማታ፣ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ኩሉ ዓይነት ምግሃስ መሰላት ኣጻርያ ከተቕርብን ክትከታተልን እያ።

መበል 41 ፍሉይ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻየደሉ፣ እተን ፈለማ ነቲ እማመ ዘቕረባ ሃገራት፣ ማለት ሶማልን ጂቡቲን፣ ‘ምስ ኤርትራ ፖለቲካዊ ዝምድናና ተመሓዪሹ እዩ’ ብምባል ኣብቲ ዋዕላ ከይዝተየሉ እየን ወሲነን። እንተኾነ፣ ኣውስትራልያ፣ ኦስትርያ፣ በልጅዩም፣ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ነዘርላንድስን፣ እቲ ጉዳይ፣ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ደኣምበር ንፖለቲካ ዝምልከት ኣይኮነን ብምባል ክዝተየሉ ወሲነን።

መንግስቲ ኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን ስለዝተፈቕደሉ፣ ዝኾነ ምግሃስ መሰላት ከምዘየካየደ ብምምሳል ሓያል ጎስጓስ ከካዪድ ከምዝጸንሐ ህዩማን ራይትስ ዎች የመልክት።

እቲ ትካል ብተወሳኺ፣ ኤርትራ ግቡእ ተቐባልነት ክትረክብ እንተደልያ፣ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታታ ከተኽብር ጥራይ እዩ ዘለዋ ድሕሪ ምባል፣ ኣብዚ ዝቕጽል ዓመት፣ ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትተሓባበር ጸዊዑ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ሓያሎ ሃገራት በቲ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘካዪዶ ዘሎ ናይ ይምሰል ፖለቲካዊ ምውስዋሳትን፣ ዲፕሎማስያዊ ጸወታን ተደናጊረን ኣንጻር’ቲ መንግስቲ ዝነበረን መርገጺ ክቕይራ እየን ተራእየን።

እንተኾነ ሓያሎ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ተጣበቕቲ ድሕሪ ዘካየዱዎ ጻዕሪ፣ ከምኡ’ውን ገለ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ፖለቲካዊ ዝምድና ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ምኽባር መሰል ዜጋታትን በበይኖም ምዃኖም ብምንጻር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጽዑቕ ምክትታል ክግበር ተወሲኑ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ናጻ ከውጽእ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ግዜ ክገብረሉ፣ ከምኡ’ውን ስርዓተ ሕጊ ከንግስን፣ ነቲ ዝፈረመሉ ውዕላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኽብርን እዩ ጻውዒት ዝግበረሉ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0