ናብ ዝበዝሐ ክፋል ዓለም ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከየካይድ ዝተኣገደ መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ናብ ኤርትራ ዘካየዶ በረራታት ንምስፋሕ ይውጥን

Radio Erena: 17 March 2017

Sudan air

ናብ ዝበዝሐ ክፋል ዓለም ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከየካይድ ዝተኣገደ መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ናብ ኤርትራ ዘካይዶ በረራታት የስፍሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ፣ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ብቕዓት ተጓዓዝቲ ናብ ሓደጋ ከቃልዕ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ናብ ዝበዝሐ ክፋል ዓለም ናይ መጓዕዝያ በረራታት ከየካይድ ንነዊሕ ዓመታት ዝተኸልከለ መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ካብን ናብን ኣስመራ ካርቱም፣ በረራታት ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ካብ ኣስመራ፣ ናብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ፣ ስዑዲ ዓረብ ከተማታት ሪያድን ጀዳን፣ ናብ ቻድ ድማ ከተማ እንጀሜና በረራታቱ ዘስፍሕ ዘሎ።

ናብ ኤርትራ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዘካይዳ ኣህጉራውያን መንገድታት ኣየር፣ በብእዋኑ የቛርጻ ምስ ምህላወን፣ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ከም መተካእታ ናብ ኤርትራ ኣገልግሎት ዝህባ መንገዲታት ኣየር ከናዲ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኤርትራ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዝህባ ዘለዋ፣ መንገዲታት ኣየር ኤርትራ፣ ቱርኪ፣ ግብጺን ሱዳንን እኳ እንተኾና፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ቀጥታዊ ስሉጥ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ እንኮ መንገዲ ኣየር ቱርኪ ጥራይ’ዩ።

መንገዲ ኣየር ቀጠር ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ኤርትራ በረራታቱ ጠቕሊሉ ድሕሪ ምቁራጹ፣ ኣብ ሰሙን ዝበዝሐ ናብ መጓዓዝያ በረራታት ዘካይድ ዘሎ መንገዲ ኣየር ግብጺ ኮይኑ ኣሎ።

በዚ ተሰሪዑ ዘሎ ሓድሽ መደብ ምስፋሕ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከኣ ድሕሪ መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ መንገዲ ኣየር ሱዳን ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ’ዩ።

መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ተጓዓዝቲ ብምድንጓይ ካብ ዘማርርሉ መንገድታት ኣየር ኮይኑ፣ ብሰንኪ ብቕዓቱ ናብ ሒደት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን እንተዘይኮይኑ ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ክበርር ኣይክእልን’ዩ።

ኣብ 1 መጋቢት 2017፣ ንብረት መንገዲ ኣየር ባድር ናይ ሱዳን፣ ዝኾነት ነፋሪት ካብ ካርቱም ተበጊሳ ናብ ስዑዲ ዓረብ እናበረረት እንከላ፣ ብዘጋጠማ ቴክኒካዊ ጸገም ብሃንደበት ክትዓልብ ተገዲዳ’ያ።

እታ 125 ተጓዓዝቲ ጽዒና ዝነበረት ነፋሪት፣ ኣብ ሓደ ካብ ሞቶራታ፣ ትኪ ከምዝተራእየን፣ ብሰንኩ ድማ ጉዕዞኣ ብምስራዝ፣ ብሃንደበት ኣብ ፖርት ሱዳን ክትዓልብ ከምዝተገደደት፣ መግለጺ ሲቪል ኣቭየሽን ሱዳን የረድእ።

ካብ 1995 ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ እገዳ ንመንገዲ ኣየር ሱዳን ብኸቢድ ከምዝሃሰዮ’ዩ ዝግለጽ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0