ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ 20 ሚልዮን ህዝቢ ሓደጋ ደርቂ ተቓሊዑ ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 17 March 2017

Drought

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ ንኣስታት 20 ሚልዮን ህዝቢ ጸልዩ ከምዘሎ ኣህጉራውያን ትካላት ይገልጻ።

ነዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ ንምምካት፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ውድብ መግብን ሕርሻን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤትን ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ሓገዝ ይሓታ ኣለዋ።

ኣብ ሶማል፣ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ብፍላይ ኣብ ሰብን ጥሪትን ሞት ኣስዒቡ ከምዘሎ ዝጥቀስ ሓደጋ ደርቂ፣ እቶም ቀንዲ ግዳያት ህጻናትን ኣዴታትን ምዃኖም ይሕበር።

ኣብ ሶማል 110 ሰባት ብሰንኪ ደርቂ ከምዝሞቱ መንግስቲ እታ ሃገር ከረጋግጽ እንከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ልዕሊ 40 ሽሕ ጥሪት ከምዝሞታ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ምጥቃሳ ይዝከር።

እዚ ንሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተንኪፉ ዘሎ ባህርያዊ ሓደጋ ደርቂ፣ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ኤርትራ’ውን ጸልዩ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣህጉራውያን ትካላት ናብቲ ብደርቂ ክጥቃዕ ይኽእል’ዩ ዝብልዎ ከባቢታት ከይዶም መጽናዕቲ ከየካይዱ ብምኽልካሉ፣ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

እንተኾነ፣ ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት -UNICEF ኣብ ናይ 2017 ጸብጻቡ፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ ዝተኸስተ ዞባዊ ደርቂ ኤል-ኒኖ፣ ን80 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝጸለወ ምጥቃሱ ይዝከር።

ካብዞም በቲ ደርቂ ዝተጸልዉ ኣስታት 2 ሚልዮን ዜጋታት ኤርትራ፣ እቶም 1.2 ሚልዮን ቆልዑ ምዃኖም ዝሓበረ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ እቶም ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝን መኣዛዊ መግብታትን ዘድልዮም ምዃኑ’ዩ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኤርትራ በንጻሩ፣ ሳላ ዝነበረ ጽቡቕ ክራማትን ዝተሃንጸ ዲጋታትን፣ ኣብዚ ዓመት እዚ እኹል ምህርቲ ከምዝተሓፍሰ’ዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ንፖለቲካዊ መኽሰብን ትምክሕትን፣ ንሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ከምዝኽውሎ’ዮም ተቓወምቲ ወገናት ዝወቕሱ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0