ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ሶማላውያን ተዓላሞ ኣስታት 10 ሽሕ ከምዝበጽሑ፣ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ገሊጻ

Radio Erena: 17 June 2021

መንግስቲ ሶማል፣ ካብ 2018 ኣትሒዙ በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ዝልኣኾም መንእሰያት፣ ኣስታት 10 ሽሕ ከምዝበጽሑ፣ ኣሚና መሓመድ ዓብዲ ዝተባህለት ኣባል ባይቶ ገሊጻ።

ንሳ ምስ ሆርን ኦብዘርቨር ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ፣ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ናብ ኤርትራ ምስ ተላእኩ ሃለዋት ደቆም ምስ ዘይረኸቡ ስድራቤታት ድሕሪ ምርኻብ፣ ብዛዕባ’ቶም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ሶማላውያን ወትሃደራትንን ሃለዋቶምን ሓበሬታ ንምእካብ ከምዝተበገሱ ኣፍሊጣ።

ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ምስ ዝተመልሱ ሓያሎ ሶማላውያን መንእሰያት ብኣካል ከምዝተዘራረበት ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ክወስደሎም ካብ ዝኽእል ስጉምቲ ብምስጋእ ተሓቢኦም ከምዘለዉ’ውን ጠቒሳ።

ኣሚና ብተወሳኺ፣ እቶም ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ዘለዉ ኣባላት ባይቶ፣ መንግስቲ ሶማል ናብ ኤርትራ ብሕቡእ ወትሃደራት ክልእኽ ዝደለየሉ ኩነታት ክጻረ ይጠልቡ ከምዘለዉ ኣረጋጊጻ።

ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ፣ ብዛዕባ ናብ ኤርትራን ኵናት ትግራይን ተላኢኾም ዝተባህሉ መንእሰያት ወግዓዊ መግለጺ ክህብ፣- ኣዴታት፣ ኣባላት ስድራ፣ ኣባላት ባይቶ፣ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ዝተፈላለየ ሰልፍታትን ኣብ ዝሓትሉ ዘለዉ እዋን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሑሰን ሮብለ፣ ነቲ ጉዳይ እትከታተል ኮሚሽን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣቝሙ ይርከብ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣዴታት ድሕሪ ዝገበራሉ ተቓውሞን ጸቕጥን፣ መንእሰያት፣ ንታዕሊም ናብ ኤርትራ ከምዝልኣኸ ክኣምን እኳ እንተተገደደ፣ ‘ናብ ኵናት ትግራይ ኣትዮም’ ንዝብል ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይኽሕዶ’ዩ ዘሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ተላኢኾም ብዛዕባ ዝበሎም ብዝሒ ሶማላውያን ይኹን ሃለዋቶም ብዝምልከት’ውን ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0