ናብ ኤርትራ ክመላለስ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ፣ ኣብ ብሪጣንያ ብሽበራ ይጥርጠር

ናብ ኤርትራ ክመላለስ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ፣ ኣብ ብሪጣንያ ብሽበራ ይጥርጠር

Radio Erena: 18 December 2017

Tadese

ናብ ኤርትራ ክመላለስ ዝጸንሐ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ብሪጣንያ ብሽበራ ተጠርጢሩ፣ ተኸሲሱ ከምዘሎ ማዕከን ዜና መይል ኦንላይን ሓቢሩ።

እቲ 51 ዓመት ዝዕድሚኡ ታደሰ ከርሰሞ ዝስሙ ኢትዮጵያዊ፣ ካብ ኤርትራ ናብ ብሪጣንያ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ኣብ መስከረም 2016፣ ንኻልኣይ ግዜኡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሄዝሮው ብጥርጠራ ተታሒዙ።

ድሕሪ ዝተኻየደሉ መርመራ፣ ኣብ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስልጠናታት፣ ፍሉይ ጨመተ ቶኽሲ -ስናይፐር፣ ብኻራ ናይ ምጥቓዕ ስልቲን ካልእ ብደባይ ጉጅለታት ዝዝውተሩ ወትሃደራውን ጸጥታውን ስልትታት ንምምሃር ዝሕግዝ ሰነዳት ኣብ ኮምፒተሩ ከምዝተረኽበ እቲ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ንሱ ስለምንታይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰነዳት ከምዝሓዘ ብቤት ፍርዲ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፣ ኣብ ኢንተርነት ዝረኸብክዎ ሰነዳት ናይ ምውራድ ልምዲ ኣለኒ ድሕሪ እኳ እንተበለ፣ እኽባር ሕጊ ብሪጣንያ ግና ክኣምኖ ኣይከኣለን።

ካብ 2009 እታሒዙ ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ዝሓተተ ታደሰ፣ ካብ ታሕሳስ 2015 ክሳብ መስከረም 2016 ብመንገዲ ግብጺ፣ ብተደጋጋሚ እዋን ናብ ኤርትራ ከምዝተመላለሰ ዘመልከተ ኣኽባር ሕጊ ብሪጣንያ የመልክት፣ እቲ ደኩመናት ምስ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጉዳይ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ይጥርጥር።

ኣብ ግሪንዊች ቤት ትምህርቲ ምሕደራ ናይ ብሪጣንያ፣ ከም መምህር ኮይኑ ዝሰርሕ ታደሰ፣ ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ዝሓተተሉ ምኽንያት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ መርገጺ ከምዘለዎ ብምምልካት’ዩ።

እዚ ናብ ኤርትራ ክመላለስ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ክሱስ፣ ኣባል እቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፉን ዝዓጥቑን ተቓወምቲ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ጉዳይ እዚ ኣብ ብሪጣንያ ብሽበራ ተኸሲሱ ዘሎ ኢትዮጵያ ስደተኛት፣ ገና ኣብ ቤት ፍርዲ ይርአ ከምዘሎ ደይሊ መይል ይሕብር።

ናይ ብሪጣንያ ዜግነት ዘለዎ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ፣ ኣብ ሰነ 2014 ናብ ኤርትራ እናምርሐ እንከሎ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ብሓይልታት ጸጥታ የመን ተታሒዙ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተረከበ ኣይርሳዕን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0