ናብ ኤርትራ ኣዝያ ዝቐረበት ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ናይ የመን ንምቁጽጻር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይቕጽል

ናብ ኤርትራ ኣዝያ ዝቐረበት ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ናይ የመን ንምቁጽጻር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይቕጽል

Radio Erena: 17 June 2018

battle of hodeidahናብ ኤርትራ ኣዝያ ዝቐረበት ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ናይ የመን ንምቁጽጻር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይቕጽል ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጸን።

ኣብዚ ብቀዳም 16 ሰነ ዝወዓለ ኲናት፣ ብስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ የመን፣ ንመዓርፎ ነፈርቲ ሖደይዳ ከምዝተቖጻጸረ ተሓቢሩ።

እቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝጀመረ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብኢማራት ዓረብ ዝተመርሐ ኮይኑ፣ ነታ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ከም ቀንዲ ምንጪ እቶትን ወተሃደራዊ ዕጥቂ መጎዓዓዚትን ክጥቀሙላ ዝጸንሑ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ንምቁጽጻር ዝዓለመ’ዩ ኔሩ።

ወተሃደራውያን ሰበስልጣን የመን ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ መዓርፎ ነፈርቲ’ታ ከተማ ድሮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዝኣተወን፣ ካብ ነተጉቲ ሓራ ንምግባሩ ክኢላታት ዳህሳስ የካዪዱ ከምዘለዉን ሓቢሮም።

እንተኾነ እቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሑቲ ዝርከብ ኣገልግሎት ዜና ሳባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ገና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሑቲ ከምዘሎ ይገልጽ።

መንግስቲ የመን ኣብ ዝህቦ ዘሎ መግለጺ፣ እቲ መጥቃዕቲ ክቕጽል’ኳ እንተኾነ፣ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ወደባት የመን ዝኾነ ከባቢታት ግና ትሕተ ቅርጹ ከይዓኑ ንምዕቃቡ ካብ መጥቃቲ ናጻ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

ውግእ ሓድሕድ የመን ዘስዓቦ ቅልውላው መግቢ፣ መድሃኒትን ሃለኽቲ ነገራትን ንምምካት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝልገስ ረዲኤት ብወደብ ሖደይዳ እዩ ክኣቱ ጸኒሑ።

ኤ.ኤፍ.ፒ. ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊዝ ትማሊ ቀዳም 16 ሰነ ናብ ከተማ ሰንዓ ኣምሪሑ’ሎ። ቀንዲ ዕላማ ዑደቱ፣ ምስ መራሕቲ ኣል-ሑቲ ብምርኻብ ንወደብ ሖደይዳ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት ሃገራት ብምግዳፍ ብዘይኲናት ካብታ ከተማ ክወጽእ እማመ ንምቕራብ ምዃኑ ይሕበር።

ወተሃደራውያን ምንጭታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺ ብወገኖም፣ ካብ ሰራዊት የመን፣ ኢማራትን ሱዳንን ዝተዋጸአ ተደራቢ ሓይሊ ኣብ ኤርትራ ተዳልዩ ከምዘሎን ኣብ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ሖደይዳ ክሳተፍ ምዃኑን ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ንከተማ ሖደይዳ ንምቁጽጻር ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዛጊት ከባቢ ክልተ ሚእቲ ወተሃደራት ሞይቶም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0