ኣብ ማንቸስተር ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብዝተጎሃሃረ ናዕቢ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ብፎኪስ ቆሲሎም

ኣብ ማንቸስተር ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብዝተጎሃሃረ ናዕቢ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ብፎኪስ ቆሲሎም

Radio Erena: 17 June 2018

manchester rebeshaኣብ ማንቸስተር ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብዝተጎሃሃረ ናዕቢ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ብፎኪስ ከምዝቖሰሉ ማዕከን ሓበሬታ ማንቸስተር ኢቭኒን ኒውስ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብቀዳም 16 ሰነ ኣብ ሓደ ናይ ቅድድም ብሽክለታ ፌስቲቫል ዝካየደሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ዝተላዕለ ግጭት፣ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ስዳድዩም ተኣኪቦም ዝቃወሙ ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ውሽጢ ብምእታው ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝሳተፉ ዝነበሩ ካልኦት ኤርትራውያን ድሕሪ ዘካየዱዎ መጥቃዕቲ ከምዝተበገሰ፣ እቲ ማዕከን ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

ፖሊስ’ታ ከተማ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ኣብቲ ስዳድዩም ዕግርግር ከምዝተላዕለ ኣብ ዝተሓበረሉ እዋን ብኡ ንብኡ ኣኽበርቲ ጸጥታ ብምውፋር ነቲ ኩነታት ከህድኦ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ። ካብቶም ቁጽሮም ከባቢ ሰላሳ ክኾኑ ዝኽእሉ ተቓውሞ ዘካየዱ ኤርትራውያን ሓያሎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም ከምዘለዉ’ውን ይገልጽ።

ኣብቲ ቦታ ዝተዋፈራ ሸሞንተ ኣምቡላንስ ን12 ሰባት ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ብምሃብ ከምዘፋነወኦም ተገሊጹ። ኣብ መንጎ’ቶም ዝቖሰሉ ህጻናት እውን ከምዝርከብዎም ፖሊስ’ታ ከተማ የመልክት። ኩሎም’ቶም ዝቖሰሉ ብኡ ንብኡ ክፋነዉ እንከለዉ ሓንቲ 46 ዓመት ዝዕድሜኣ ጓለንስተይቲ ግና ናብ ሆስፒታል ቴምሳይድ ከምዝተወስደት ይግለጽ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0