ነፊሪት ሒዞም ኣብ ስዑዲ ዝዓለቡ ሓደ ሜጀር፣ ሓደ ካፕቴንን ሓደ ተለንትን መኮንናት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት መስርሕ ይካየደሎም ምህላዉ ተገሊጹ

ነፋሪት ሒዞም ትማሊ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ጂዛን መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ዓብደላ ዝዓለቡ ሰለስተ መኮንናት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት መስርሕ ክካየደሎም ምዃኑ ማዕከን ዜና ጂዛን ኒውስ ሓቢሩ።

 

እታ ነፋሪት፣ ኣብ ክሊ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምእታውዋ፣ ኤፍ ዝዓይነተን ነፈርቲ ኵናት እታ ሃገር እናዓጀባ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ዓብደላ ክትዓልብ ከምዝገበራ’ውን እቲ ዜና የረድእ።

እቶም ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዮም ዘለዉ ሰለስተ ኣባላት ሓይሊ ኤርትራ፣ እቲ ሓደ ናይ ሜጀር፣ እቲ ካልኣይ ናይ ካፕተን ማዕረግ ክህልዎም እንከሎ፣ እቲ ሳልሳይ ድማ ተለንተ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ኣብረቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ነፋሪት ሒዞም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቶም፣ ነታ ነፋሪት ንኽመልሱ ካብ ዝተላእኩ ኣብረቲ ድማ ሓንቲ ጓለነስተይቲ ዑቕባ ንምሕታት ኣብታ ሃገር ከምዝተረፈት ኣይርሳዕን።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0