ነፈርቲ ኵናት ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ኤርትራ ቅርበት ንዘለዋ ወደብ ሖደይዳ ናይ የመን ደብዲበን

ነፈርቲ ኵናት ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ኤርትራ ቅርበት ንዘለዋ ወደብ ሖደይዳ ናይ የመን ደብዲበን

Radio Erena: 20 August 2015

Hodieda bombed

ነፈርቲ ኵናት ስዑዲ ዓረብ፣ ነታ ናብ ኤርትራ ቅርበት ዘለዋ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ናይ የመን ጽዑቕ ደብዳብ ኣካይደን።

ስዑዲ ዓረብ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዕጡቓት ሑቲ ንምህዳን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት የመን ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ’ያ ንወደብ ሖዴዳ ዒላማ ጌራቶ።

መኽዘን ሎጂስቲክስ ሑቲ ምንባሩ ዝተጠርጠረ ዓበይቲ መኻዚኖታት ዝርከቦ ሓያሎ ህንጻታትን ትሕተ ቅርጺ ናይቲ ወደብን በቲ ደብዳብ ከምዝዓነወ ሮይተርስ ሓቢሩ።

 

እታ ካብ ገምጋም ባሕሪ ኤርትራ 38 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ወደብ፣ ብዕብየታ ድሕሪ ዓደን ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ኮይና፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓንቲ ካብተን ኣገደስቲ ወደባት’ያ።

ሑቲ ዝሓለፈ ዓመት ነታ ወደብ ድሕሪ ምቁጽጻሩ ካብ ኢራን ይኹን ካልኦት ንዝልኣኸሉ ወትሃደራውን ሰብኣውን ሓገዛት ብመንገዲ እዛ ወደብ’ዩ ከእቱ ጸኒሑ።

ኣብታ ወደብን ኢብ ዝተባህለት ካልእ ከተማን ደብዳብ ይቕጽል እኳ እንተሎ፣ ሑቲ ነተን ከተማታት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘይለቐቐን ማዕከን ዜና ኣልዓረብያ ይጠቕስ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ልፍንታዊ ሓይሊ ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ የመን ወትሃደራዊ ምትእትታው ካብ ዝፍምምምጽ ንሑቲ ካብ ዓደን ጥራይ’ዩ ክጸርጎ ክኢሉ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0