ነባራት ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ንሓደስቲ ስደተኛታት ንውልቃዊ ረብሓታቶም ይጥቀምሎም ምህላዎም ተገምጊሙ

ነባራት ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ንሓደስቲ ስደተኛታት ንውልቃዊ ረብሓታቶም ይጥቀምሎም ምህላዎም ተገምጊሙ

Radio Erena: 06 April 2016

Akeba

ነባራት ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ንሓደስቲ ስደተኛታት ብፍላይ ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ብሞራላውን ዜጋውያን ክብርታት ኣብ ክንዲ ዝሕብሕቡ ንውልቃዊ ረብሓታቶም ይጥቀምሎም ምህላዎም ተገምጊሙ።

እዚ ዝተገምገመ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤውሮፓ፣ ፕሮጀክት ምንጋር ሓቀኛ ታሪኽ ብዝብል ኣርእስቲ፣ ብሰንበት 3 ሚያዝያ 2016 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ሺስታ ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ’ዩ።

ኤርትራ ብስደት ቀንዲ ትልለ ሃገር ኮይናትኑ ኣብ ዘላን ዜጋታታ ድማ ዕድመ ጾታን ከይፈለዩ ብኣሽሓት ናብ ስደት ኣብ ዝውሕዝሉ ዘለው ግዜ፣ እቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስደት ዝጸንሑን ብተዛማዲ ድማ ጥጡሕ ናብራ ዘለዎምን ኤርትራያውን፣ ነቲ ዘሕዝን ኩነታት ብውልቃዊ ረብሓኦም ይጥምትዎ ምህላዉ ኣብቲ ኣኼባ ተገምጊሙ።

 

ኣብዚ ግዜ ብዙሓት ትሕተ ዕድመ ቆልዑ ካብ ብዙሕ ኩርንዓት ዓለም ኣውራ ድማ ካብ ኤርትራ፡ ኣፍጋኒስታን ፡ሶማልያን ካልኦት ሃገራትን ይውሕዙ ኣብ ዘለውሉ ግዜ፣ ከም ኣሰራርሓ ኣቀባብላ ስደተኛታት ሽወደን እዞም ቆልዑ ምስ ፍቓደኛታት ስድራ ቤታትን ካልኦት ቆልዑ ብሓባር ክኣልዩ ፍቓድ ዘለዎም ትካላትን ርቡሕ ገንዘብ እንዳ ኸፈሉ ክሳብ 18 ዓመት ዝመልኡ ከምዝሕዝዎም’ዩ ዝግበር።

ነዚ ከም ጽቡቕ ናይ መሀብተሚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ከኣ ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ኣብቲ ዕዮ ተጸሚዶም ይርከቡ።

ኮይኑ ግና ነቶም መጻኢ ተስፋ ሕብረተሰብ ዝኾኑ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ናብ ስደት ከምርሑ ከለው ኣብ በረኻ ካልእ ቦታታትን ዝበጽሖም ከቢድ በሰላታት ኣብ ከም ሽወደን ዝበላ ናይ መወዳእታ መዕረፊኦም ምስ በጽሑ’ውን ካብ ኤርትራውያን ኣሕዋቶም ዝግባእ ቆላሕታን ሓልዮትን ብዘይ ምርካቦም ሓያሎ ካብቶም ቆልዑ ርእሰ ቅትለት ክፍጽሙ ይርኣዩ።

ኣብዘ ሒደት ዓመታት ጥራት ኣስታት 20 ዝኮኑ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ሽወደን ርእሰ ቅትለት ፈጺሞም ምህላዉም’ዩ ዝግለጽ።

እቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ኤረትራውያን ስደተኛታት’ውን መንግስቲ መንበሪ ቤት ረኺቡ ክሳብ ዘጣይሶም ነዊሕ ግዜ ይወስደሉ ምስ ምህላዉ፣ ስራሕ ንምርካብን ካልእ ምኽንያታትን ዘለዎም ግዝያዊ ኣድራሻታት እናጋሓደጉ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ኣብ ዝኣትውሉ፣ ኤርትራያን ነባራት ነበርቲ ሽወደን ኣድራሻ ንኸካርይዎም ጥራት ክሳብ 100 ኤውሮ ንወርሒ ከምዘኽፍልዎም ኣብቲ ኣጋጣሚ ብኣብነታት እናተሰነየ ቀሪቡ።

ብእኩብ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ከኣ ንሓንቲ ክፍሊ ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ስደተኛት ንወርሒ ክሳብ 300 ኤውሮ ክራይ ገዛ ከምዝሓትዎ’ዩ ዘረጋግጽ ወከልቲ ሬድዮ ኤረና ካብ ሽወደን ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ።

ነባራት ነበርቲ ሽወደን ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ነቲ ካብ ብዙሕ ወጽዓታት ሃዲሙ ዝመጾም ሓድሽ ወለዶ ስደተኛታት፣ ተወሳኺ ወጽዓ ይድርብዎ ምስ ምህላዎም፣ ፍቕርን ሓልዮትን መለለይኡ ዝበሃል ባህሊ ኤርትራውያን ደኣ ኣበይ ኣሎ ናብ ምባል በጺሑ ይርከብ።

እዚ ማለት ግና ሰብኣዊ ርህራሄን ሓልዮን ዘለዎም ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን የለውን ማለት ከምዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።

ብዙሓት ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ካብታ ሃገር ዝወጽሉ ኣማራጺታት ብዘይምህላዉ፣ ንትሕቲ ዕድመ ደቆም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከም ዝእትዉ ብምግባር፣ ብስም ደቆም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምጣይስ ይጽዕሩ ምስ ምህላዎም፣ ሓደ ካብ ጠንቕታት ዋህዚ ኤርትራውያን ትህቲ ዕድመ ቆልዑ ናብ ኤውሮጳ ኮይኑ ምህላዉ’ውን ኣብቲ ኣብ ስቶኮልም ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ወከልቲ ሬድዮ ኤረና ይግምግሙ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0