ኣብ ኣስመራ፣ ተዓላሞ ንምህዳን ኣብ ዝተኸፍተ ተዅሲ ሓደ ቆልዓን ሓንቲ ጓለነስተይትን ዝርከብዎም 6 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ

ኣብ ኣስመራ፣ ተዓላሞ ንምህዳን ኣብ ዝተኸፍተ ተዅሲ ሓደ ቆልዓን ሓንቲ ጓለነስተይትን ዝርከብዎም 6 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ

Radio Erena: 06 April 2016

Mai abshawl

ብሰንበት 03 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብ ኣስመራ ካብ መኪና እናዘለሉ ክሃድሙ ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ ተዓላሞ ብዝተኸፍተ ተዅሲ ሓደ ቆልዓን ሓንቲ ጓለነስተይንትን ዝርከቦም ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቀትሉ ተረጋጊጹ።

እቲ፣ ኣብቲ ኣብቲ ፍጻሜ ዝተቐትለ ቆልዓ፣ ናብ እንዳ ዱኳን ተላኢኹ እናተምልሰ ሃንደበት ብዝተፈንወ ቶኽሲ ከምዝተቐትለ’ዮም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ዘረድኡ።

ተገፊፎም፣ ኣብ ከባቢ ኣቑርደት፣ ኩርመናዕ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ክዕለሙ ዝጸንሑ መንእሰያት፣ ብመንገዲ ኣስመራ ናብ ከባቢ ዓሰብ እናምርሑ እንከለዉ፣ ካብ መካይን እናዘለሉ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ብዝተኸፍተ ተዅሱ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሓያሎ መንእሰያት ብፈኵሲን ከቢድን ከምዝቖሰሉ ሬድዮ ኤረና ኣብ እዋኑ ከምዘቃለሐት ይፍለጥ።

 

ነቲ ሓበሬታ ኣብ እዋኑ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብዘስዓብዎ ተወስኺ ሓበሬታ መሰረት ከኣ፣ እቶም ኣብ ኣስታት 15 ዝኾና ናይ ጽዕነት መካይን ተጨቓጪቖም ብመንገዲ ኣስመራ ናብ ዓሰብ ዘምርሑ ዝነበሩ ተዓላሞ፣ ካብ ከባቢ ማይ ተመናይ ኣትሒዞም እናዘለሉ ክሃድሙ ከምዝጀመሩን፣ ካብ ባር ትብለጽ ክሳብ ማይ ኣባሻውል ኣብ ዘሎ ከባቢታት ከኣ እቲ ህድማ ብብዝሒ ምንባሩ ብምጥቃስ፣ ዘሊሎም ክሃዱም ዝፈተኑ ክልተ መንእሰያት ብመኪና ተረጊጾም ህወይቶም ከምዝሓለፈ’ውን ኣረጋጊጾም።

ህዝቢ’ቲ ከባቢ ነቶም ብተዅሲ ዝህደኑ ዝነበሩ መንእሰያት ኣብ ምትሕግጋዝ ዘርኣዮ ተወፋይነት፣ እቲ ህዝቢ ንልዕሊ 20 ዓመታት መሊኽዎ ንዘሎ መንግስቲ ዘለዎ ጽልኣት ዘንጸባረቐ ምንባሩ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ድሕሪ’ቲ ናይ ኣስታት ፍርቂ ሰዓት ዝቀጸለ ተዅሲ፣ ዝቖሰሉን ዝሞቱን ሓያሎ መንእሰያት ናብ ሆስፒታላት ሓሊበትን ኦሮታን ክውሰዱ እንከለዉ፣ መንግስቲ ተወሰኽቲ ሓይልታት ጸጥታ ብምውፋር፣ ነቲ ከባቢ ብተፍትሽን ዓቕሉ ኣጽቢብሉ ከምዝወዓለው’ን ተፈሊጡ።

ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ካብ ዘለዉ ግዳያት ገሊኦም ብኸቢድ ዝቖሰሉ ምስ ምዃኖም ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ክዛይድ ከምዝኽእል ይግመት።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0