ኣብ ቢሻ ተዓዲኑ ናብ ዕዳጋ ክቀርብ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ዚንጎ፣ ልዑል ጠለብ ዓማዊል ይረክብ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ ቢሻ ተዓዲኑ ናብ ዕዳጋ ክቀርብ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ዚንጎ፣ ልዑል ጠለብ ዓማዊል ይረክብ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 05 April 2016

Bisha

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ቢሻ ዝዕድኖ ዘሎ ዚንጎ ናብ ዕዳጋ ንምቕራቡ ምድላዋት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ ግዜ፣ ካብ ዓማዊል ልዑል ጠለብ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዕደና ወርቂ ተጸሚዱ ዝርከብ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ኣብ ቢሻ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ዕደና ንጥፈታቱ ናብቲ ዝበዝሐ ዑቑር ሃብቲ እቲ ከባቢ ዝኾነ ዚንጎን ነሓስን ንምስፋሕ መደብ ከምዘለዎ’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብ31 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ድማ እቲ ናይ ምስፋሕ መደባት ብሓደ ወርሒ ከምዝተደናጎየ ብምጥቃስ፣ ካብ ወርሒ ሰነ 2016 ኣትሒዙ ግና ዚንጎ ናብ ዕዳጋ ንምቅራብ ምድላዋት ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ።

 

ኣብ ቢሻ ናይ ዝርከብ ብዝሒ ዕቑር ሃብቲ ዚንጎ ክሳብ 2025 ዓመት ምህረት ክዕደን ተኽእሎ ከምዘለዎ’ውን እቲ ናይ ካናዳ ትካል የረጋግጽ።

እዚ ኣብ ቢሻ ተረኺቡ ዘሎ ዚንጎ ብዓይንቱ ብሉጽ ብምዃኑ ቅድሚ ናብ ዕዳጋ ምቕራቡ ብዝሒ ዘለዎም ዓማዊል ስሒቡ ከምዘሎ ኔቭሰን ብ መግለጺኡ ይጠቕስ።

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ዛጊት ኣብ ቢሻ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና ወርቂ ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ኣበርክቶ ክገብር እንከሎ፣ 40 ሚእታዊት ናይቲ ፕሮጀክት ዝውንን መንግስቲ ኤርትራ ዓመታዊ 200 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዝረኸበ ይፍለጥ።

ኣካየድቲ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ኣቐዲሞም ምስ ናይ ካናዳ ማዕከናት ዜና ብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ፣ ወርቂ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ካብ ዝጀመርሉ ኣብዚ ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ግዜ መንግስቲ ኤርትራ ብውህሉል 700 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዝረኸበ የመልክቱ።

ካናዳዊ ኩባንያ ኔቭሰን 60 ሚእታዊት ፕሮጀክት ዕደና ቢሻ ክውንን እንከሎ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ 40 ሚእታዊት ከምዝውንን ይፍለጥ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዕዉት ዕደናዊ ንጥፈታት ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ፣ ምስቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝውቀስ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ብምትሕብባር፣ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቦም ዝመጽዎ መንእሰያት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ብምውፋሩ ክሲ ተመስሪትሉ ይርከብ።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዕደናን ዳህሳስን ወርቂ፣ ነሓስ፣ ብሩር፣ ዚንጎ፣ ነዳድን ካልእ ማዕድናትን ዝነጥፋ ልዕሊ 16 ኣህጉራውያን ኩባንያታት ኣለዋ።

======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0