ቻይና ካብ መሬታ ወጻኢ ብዘይካ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ካልእ ሃገር ወትሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ መደብ ከምዘይብላ ትገልጽ

Radio Erena: 02 November 2016

Chi Dji

ቻይና ካብ መሬታ ወጻኢ ብዘይካ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ካልእ ሃገር ወትሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ መደብ ከምዘይብላ ንመግለጺ ሚኒስተሪ ምክልኻል እታ ሃገር ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ቻይና፣ ካብ መሬታ ወጻኢ ብዘይካ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ካልእ ሃገር ወትሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ መደብ ከምዘይብላ ትገልጽ ዘላ፣ ብጀነራል ፋን ቻንግዮንግ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ታንዛንያን ጅቡቲን ዑደት ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።

እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ቻይና፣ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ፕረዚደንት ዑመር ገለን ካልኦት ሰበ ስልጣንን እታ ሃገር ብምርኻብ፣ ኣብቲ ድሮ ክህነጽ ጀሚሩ ዘሎ መዓስከር ዘድሃበ ዘተ ከምዘካየደ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ብጀነራል ፋን ቻንጊዮንግ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ቻይና፣ ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝበጽሓሉ’ውን ምስ ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ብምርኻብ፣ ሃገሩ ምስ ታንዛንያ ክትገብሮ ብዛዕባ እትኽእል ወትሃደራዊ ምትሕግጋዛት ከምዝዘተዩ ‘ዩ ተሓቢሩ።

ወትሃደራዊ ልኡኽ ቻይና፣ ኣብታ ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለዋን፣ ብጸጥታኣን ርግኣታን’ውን ኣብቲ ዞባ ዝሓሸት ታንዛንያ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ቻይና፣ ካብ መሬታ ወጻኢ ኣብ ታንዛንያ’ውን ካልኣይ መዓስከር ንምኽፋት መደብ ከምዘለዋ ትንታነታት ክወሃቦ ጸኒሑ’ዩ።

ይኹን’ምበር ሚኒስትሪ ምክልኻል ቻይና ብሮቡዕ 30 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ቻይና ካብ መሬታ ወጻኢ ብዘይካ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ካልእ ሃገር ወትሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ መደብ የብላን።

ሓንቲ ካብተን ዝኣንሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ጅቡቲ፣ ኣብ ኣፍርቃ ዝበዝሐ ቀዋሚ መዓስከራት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዘለዋ ሃገር’ያ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0