ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኦሮሞ፣ ካብ ኤወሮጳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምላሱ ተቐይዱ

Radio Erena: 02 November 2016

Merara

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኦሮሞ ዶክተር መራራ ጎዲና፣ ከምዝቐየዶ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢሩ።

እቲ ሓደ ካብ ጸለውቲ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት እታ ሃገር ምዃኑ ዝንገረሉ ዶክተር መራራ ጎዲና፣ ፓርላማ ኤውሮጳ ብዘቕረበሉ ዕድመ መሰረት፣ ንህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ኣዋጅ ናይ ህጹጽ እዋንን ብዝምልከት ኣብ ቤልጁም ከተማ ብራስለስ መብርሂ ሂቡ፣ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላሱ ከምዝተኣስረ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ዶክተር መራራ ጎዲና፣ ኣብቲ ኣብ ፓርላማ ኤውሮጳ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብ ኦሎምፒክ ሪፖ፣ ኣብ ናይ ማራቶን ካልኣይ ድሕሪ ምውጻእ፣ ናይ ተቓውሞ ምልክት ኣእዳዉ ዘመሳቐለ፣ ተወላዲ ኦሮሞ ፈይሳ ሊለሳ ኣብ ጎኑ ምንባሩ ይዝከር።

ሓደ ካብ መሪሕነት ኣባላት ናይቲ ብልፍንቲ ሓያሎ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝቖመ መድረኽ፣ ዶክተር በየነ ጴጥሮስ፣ ዶክተር መራራ ጎዲና ካብ ኤውሮጳ ድሕሪ ምምላሱ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ መንበሪ ቤቱ ከምዝወሰድዎ ንዋሽንግተን ፖስት የመልክት።

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነገሪ ሌንጮ ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ብዛዕባ ምእሳር እዚ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኦሮሞ ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብድሕሪ’ቲ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ዝኣወጆ ህጹጽ እዋን 11 ሽሕ ዜጋታቱ ቀይዱ ኣሎ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0