ቻይና፣ ንሶማል ወትሃደራዊ ሓገዝ ከምዝገበረት ተገሊጹ

Radio Erena: 23 March 2022

ቻይና፣ ንሶማል ወትሃደራዊ ድጋፍ ከምዝገበረት ሸበሌ ዝተባህለ መርበብ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ቻይና፣ ንመንግስቲ ሶማል ዝሃቦ ወትሃደራዊ ሓገዛት፣ ወትሃደራዊ ናይ ጽዕነት መካይን፣ ድሩዓት፣ ሰለማዊ ሰልፊ ንምብታን ዝሕግዛ ነጸግቲ ማይን ዳህሰስቲ ነታጕን ዘጠቓለለ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ሰራዊት ሶማል ብምሕያል ጸጥታ እታ ሃገር ንምርግጋእ ከበርክት’ዩ ካብ ዝብል እምነት፣ ቻይና ነቲ ወትሃደራዊ ሓገዝ ከምዘበርከተት’ዩ ተጠቒሱ።

ቻይና፣ ንሶማል ወትሃደራዊ ሓገዝ ከምዘበርከተት ዝግለጽ ዘሎ፣ ሓድሽ ዝመዘዘቶ ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ፈላሚ ዑደቱ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሶማል፣ ጀነራል ዖዶዋ ዮሱፍ ራገ፣ እቲ ሓገዝ ኣብ እዋኑ ዝተለገሰ’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ 31 መጋቢት ክካየድ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ፣ ንተደጋጋሚ እዋን ክሰጋገር ዝጸንሐ ምርጫ ሶማል፣ ተወሳኺ ግጭት ከየጎሃህር ተሰጊኡ ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0