ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ሎሚ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኸፍተ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ፣ ኣብ ኩሉ ውድድራት ብምዕዋት፣ 4 ወርቂ ማዳልያታት ሓፊሳ

Radio Erena: 23 March 2022

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሎሚ 23 መጋቢት፣ ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ሻርም ኣልሼኽ፡ ብውድድር ክሮኖሜትር ኣብ ዝተኸፍተ መበል 17 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ተዳልዩ ንዝነበረ 4 ወርቂ ሜዳልያታት፡ ንሓንቲ’ውን ከየትረፈት፡ ንብምልኡ ብምግፋጥ፡ ትርኑዕ ዓወት ሓፊሳ።

ኣብ`ዚ ናይ ሎሚ ውድድር፣ ኤርትራ ኣብ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ንተቐዳደምቲ ሳሮን ተኪኤ፡ ሮምና ጉዕሽ፡ ፍትሓዊት ተኽሉን ራሄል ዘርእሰናይን፡ ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ንተቐዳደምቲ ኤቨን ረዳእ: ዮናስ ተኪኤ: ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዮኤል ሃብትኣብን፡ ኣብ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ኣንስትዮ ንተቐዳደምቲ ሞናሊዛ ኣርኣያ፡ ኣድያም ዳዊት፡ ሚለና ያፌትን ዳናይት ፍጹምን፡ ኣብ ሲንየር ደቂ ተባዕትዮን ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ኣንስትዮን ንተቐዳደምቲ ዳዊት የማነ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ኣኽሊሉ ገብረሂወትን ሚኪኤል ሃብቶምን ብምስላፍ እያ ነዚ ህሑር ዓወት ጨቢጣቶ።

ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፣ ጽባሕ ሓሙስ 24 መጋቢት’ውን፣ ካብ ሰዓት 9:00 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ብናይ ውልቂ ውድድር ክሮኖሜትር ክቕጽል እዩ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0