ቻይና፣ ናይ 160 ሚልዮን ዶላር ለቓሕ ንሱዳን ሂባ

ቻይና፣ ናይ 160 ሚልዮን ዶላር ለቓሕ ንሱዳን ሂባ

Radio Erena: 27 August 2017 

 china sudanብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ቻይና ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሱዳን ርክባት ኣካዪዱ። እቲ ናይ ገንዘብ ለቓሕ ኣካል ናይቲ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽርን ቻይናዊ መዘንኡ ዢ ጂንፒን ኣብ 2015 ዝገበርዎ ስምምዕ ምዃኑ ወግዓዊ ልሳን መንግስቲ ሱዳን ኣመልኪቱ።

ብሓፈሽኡ ሱዳን ካብ ቻይና ተለቂሓቶ ዘላ መጠን ገንዘብ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ይግመት።

ድሕሪ’ቲ ርክብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ቻይና ኣብ ሱዳን ዘለዋ ናይ ነዳዲ ወፍሪ ተገዳስነት ተኸቲሉ ኣብ መንጎ’ዘን ሃገራት ዝተፈላለየ ስምምዓት ከምዝተኸተመ ኣፍሊጡ።

ንሱ ብተወሳኺ ቻይና ኣብ ሱዳን ዘለዋ ናይ 15 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ኣብ ነዳዲ ከተዛዪዶ ጸዊዑ።

ካብ ናይ ሱዳን ዜና ከይወጻና፣ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሱዳን፣ ካርቱም ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ወዲ 62 ዓመት ኣምባሳደር ሚርጋያስ ሺሪንስኪ ብወቕዒ ልቢ ከምዝሞተ ይግለጽ። እንተኾነ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ነዚ ኣምባሳደር ሓዊስካ 8 ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ኣብ መንበሪ ገዝኦምን ቤት ጽሕፈቶምን ሞይቶም ይርከቡ ስለዘለዉ ዘይተፈልጠ ምስጢር ክህልዎ ይኽእል’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ግምታቶም ይህቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0