ኢጣልያ ንምጥያስ ስደተኛታት ብዝምልከት ሓድሽ መደብ ከተውጽእ’ያ

ኢጣልያ ንምጥያስ ስደተኛታት ብዝምልከት ሓድሽ መደብ ከተውጽእ’ያ

Radio Erena: 27 August 2017

 eritreans in Italyመንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኾኑ ስደተኛታት ብዝወሰዶ ኢሰብኣዊ ስጉምቲ ካብ ሓያሎ ወገናት ወቐሳ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፣ ንምጥያስ ስደተኛታት ብዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ከጽድቕ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብ19 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ሓደ ህንጻ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብሃንደበት ካብቲ ህንጻ ከምዝወጹ ድሕሪ ምግባር፣ መንግስቲ ኢጣልያ፣ ካብቲ ዝተኣከቡዎ ጎደና’ውን ብጎነጽ ከምዝብተኑ ጌይሩ’ዩ።

ፖሊስ ኢጣልያ ብዝተጠቕሞ ጎነጽ፣ ልዕሊ 13 ሰባት መጉዳእቲ ከምዝወረዶም ይግለጽ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ህዩማን ራይትስ ዎችን ዝርከብዎም ሓያሎ ኣህጉራውያን ማሕበራትን ትካላትን፣ ነዚ ናይ መንግስቲ ኢጣልያ ስጉምቲ ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኦም’ዮም።

 ብፍላይ ህዩማን ራይትስ ዎች፣ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወረደ ግፍዒ መንግስቲ ኢጣልያ ተሓታቲ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ናይቲ ፍጻሜ ምሉእ መርመራ ክካየድ፣ ከምኡ’ውን እቶም ሓይሊ ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትመጉዳእቲ ዘውረዱ ኣባላት ፖሊስ ብሕጊ ክሕተቱ ጸዊዑ።

ዝበዝሑ ካብ ጸጋማዊ ሰልፊ ዝኾኑ ኢጣልያውያን፣ ነቲ ሓይልታት ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወሰዶ ኢሰብኣዊ ግፍዒ ብምቅዋም ብቀዳም 26 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሮማ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም’ዮም።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ፣ ከምዚ ኣብ ከተማ ሮማ ዝተራእየ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከይድገም፣ ስደተኛታት ዝዑቆብሉ ኣባይቲ ኣቐዲሙ ከዳሉ ዝሕግዝ እማመ ኣብ ምሕንጻጽ ከምዝርከብ፣ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

ናይዚ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተወስደ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝኣዘዘ ዝንገረሉ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ፣ ቅድሚ ሕጂ’ውን ዋሕዚ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ንምግታእ ሓያሎ ኣዘራረብቲ ስጉምታት ከምዝወሰደ ይፍለጥ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ኖርወይ 17 ማእከላት መቐበል ስደተኛታት ክትዓጽው ምዃና ዳይረክተር ጉዳይ ስደተኛታት’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ምዕጻው ማእከላት፣ ናብ ኖርወይ ዝኣትዉ ስደተኛታት ቁጽሮም ብልዕሊ ፍርቂ ስለዝጎደለ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ 2015 ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ 31 ሽሕ ዝነበረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግና ናብ 3,460 እዩ ወሪዱ። ከምኡ እንተቐጺሉ ብዘይካ’ተን ኣለይቲ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዘአንግዳ ማእከል ስደተኛታት፣ እቲ ዝተረፈ’ውን ክዕጾ ምዃኑ ዳይረክተር ስደተኛታት ኖርወይ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0