ትግራይ፣ ብፈደራላዊ መንግስቲ ዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ካብ ሎሚ ሰኑይ 14 ታሕሳስ፣ ስርሑ ብወግዒ ከምዝጀምር ተገሊጹ

Radio Erena: 14 December 2020

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ኵናት ድሕሪ ምእዋጁ ዘቖሞ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ሎሚ ሰኑይ 14 ታሕሳስ፣ ብወግዒ ስርሑ ከምዝጅምር ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጹ።

እቲ ምንጪ፣ ንግዝያዊ ኣማሓዳሪ ናይቲ ክልል ኮይኑ፣ ብቀዳማይ ሚኒስትየር ኣብይ ኣሕመድ ዝተመርጸ፣ ሙሉ ነጋ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ኣባላት ካቢነ ትግራይን ኣባላት ህዝባዊ ኣገልግሎታትን፣ ካብ 14 ታሕሳስ ኣትሒዞም ኣብ ንጡፉ ስርሖም ከምዝርከቡ’ዩ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ኣባላት ካቢነ ምምሕዳር ትግራይ መነ መን ምዃኖም ዝተመርጽሉ ኣገባብን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

እቲ ግዝያዊ ኣማሓዳሪ፣ ኩሉ’ቲ ብሕጋዊ ይኹን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ውልቀሰባት ዝርከብ ጠበናጁ’ውን ክእከብ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ኵናት፣ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ደው ኢሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዳግም ንምጅማሩ፣ ይሰርሕ ከምዘሎ’ዩ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝገልጽ።

እንተኾነ፣ መራሕቲ ህወሓት ክሳብ ዝተሓዙን፣ ህዝቢ ኣሕሊፉ ክሳብ ዝህቦምን፣ ኣብ ትግራይ ጸገማት ክቕጽል ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ጠቒሱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0