ንኣዲስ ኣበባን ወደብ ጂቡቲን ከራኽብ ዝተሰርሐ መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ፣ 114 ሚልዮን ብር ክሳራ ኣጋጢምዎ

Radio Erena: 14 December 2020

ንኣዲስ ኣበባን ወደብ ጂቡቲን ከራኽብ ዝተሰርሐ መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዚ ዓመት ጥራይ 114 ሚልዮን ክሳራ ከምዘጋጠሞ ንኮርፐረሽን ባቡር እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢሩ።

እቲ መንገዲ ባቡር፣ ከምቲ ዝግብኦ ይሰርሕ ከምዘየለ ዝሓበረ እቲ ትካል፣ ኣውራ ጠንቂ ናይዚ ድማ ዝምታን ስርቂ ንብረትን ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ መስመራት መንገዲ ባቡር ዝፍጸም ዘሎ ዝተፈላለየ ዝምታን ስርቅን፣ ሓያሎ መሰራት ዕንወት ስለዝበጽሖ፣ ኣብ ሰዓት 80 ኪሎሜተር ክጎዓዝ ዝነበሮ ባቡር፣ ናብ 50 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት ስለዝወረደ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጂቡቲ ንምብጻሕ ኣስታት 16 ሰዓታት ይወስድ ምህላዉ ተመልኪቱ።

ወደብ ዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ምስታ ናይ ልዕሊ 95% ናይ ወደብ ኣገልግሎት እትህባ ጂቡቲ ንምትእስሳር፣ ብናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ፣ ልዕሊ 752 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር’ዩ ተሃኒጹ።

እቲ መንገዲ ባቡር፣ መብዛሕቱ ካብ ቻይና ብዝረኽበ ልቓሕ፣ ብኩባንያታት ቻይና ዝተሃንጸ’ዩ።

እንተኾነ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ይግስግስ ከምዘየሎን፣ ነዊሕ ዓመታት ኣገልግልት ናይ ምሃብ ተኽእሎ ከምዘይብሉን ዝተፈላለዩ ወገናት ግምታቶም ይህቡ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0