ትግራይ፣ ባንክታት ቅድሚ ምጅማረን፣ ቁጽጽር ንብረትን ሕሳብን ወይ ኦዲት ክገብራ ከምዘለወን ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 31 October 2022

ኣብ ትግራይ ዝርከባ ባንክታት፣ ኣገልግሎታት ቅድሚ ምጅማረን፣ ቁጽጽር ንብረትን ሕሳብን ወይ ኦዲት ክገብራ ከምዘለወን፣ ንሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ እቶ ሰለሞን ደስታ ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

እቲ ባንክ ነዚ ዘፍልጥ ዘሎ፣ መንግስቲ ኣብ ዝተቖጻጸሮ ከባቢታት ከም ባንክ ዝኣመሰለ ኣገልግሎታት ክጅምር ምዃኑ ኣብ ዘቃልሓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ምስ ምጅማር ኵናት፣ ኣገልግሎታተን ዘቛረጻ ባንክታት ክልል ትግራይ፣ ኣብዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከመይ ደረጃ ኣለዋ፣ ዘለወን መሳለጥያ እንታይ ይመስል ዝብልን ካልእ ቁጽጽር ንብረትን ሕሳብን ክግበረለን ኣድላዩ ምዃኑ ‘ዩ እቲ ባንክ ዘተሓሳስብ።

ብመሰረት መግለጺ ኣቶ ሰለሞን፣ ኣብ ትሕቲ ምቑጽጻር መንግስቲ ኣብ ዝኣተወ ከባቢታት ዝርከባ ባንክታት፣ ነዚ እንተማሊኤን፣ ብዝልጠፈ ኣገልግሎታት ክጅምራ ይኽእላ’የን።

ኦዲት ከይተገብረ ኣገልግሎት ባንክታት ምጅማር ግና ሳዕቤኑ ከምዝብእስ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጹ ዘሎ ከም ኣገልግሎታት ባንክ ቴሌኮሚኒኬሽንን ክጅምር፣ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ይግበረሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0