ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ቀጥታዊ ዘተ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ተናዊሑ

Radio Erena: 31 October 2022

ካብ 25 ክሳብ 30 ጥቅምቲ ክካየድ ብዝወጸ መደብ መሰረት፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከተማ ፕሪቶርያ ዝዛተዩ ዘለው ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን፣ ንተወሳኺ ሰለስተ መዓልታት ክቕጽሉ ምዃኖም ተሓቢሩ።

እቲ ዘተ ክሳብ ረቡዕ 02 ሕዳር ዝተናዋሓሉ ምኽንያት፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምርድዳእ ክብጻሕ ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ ተንተንቲ ኣሚቶም።

ዳግም ተወሊዑ ካልኣይ ወርሑ ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝልዓለ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ቀዳማይ ስጉምቲ ምቑራጽ ተዅሲ ክኸውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጻውዒቱ የዛይድ ኣሎ።

እንተኾነ፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዓወታት ይጎናጸፉ ከምዘለዉ ዝግለጹ ክልቲኦም ወገናት፣ ዘተ ሰላም ንምዕዋት ዘኽእል ምቑራጽ ተጻብኦታት ንምትግባር፣ ነናቶም ቅድመ ኩነታት የቕርቡ ምህላዎም ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ።

ሓይልታት ትግራይ ዕጥቖም ክፈትሑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ኣውራ ቅድመ ኩነት ከቕርብ እንከሎ፣ብወገን ትግራይ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ፣ ቅድሚ ኵናት ዝነበረ ክልላዊ ግዝኣት ክኽበርን ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይዕንቅፋት ክበጽሕን ዝብል ነጥብታት ይርከቦ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0