ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብሰንኪ ባርዕ ኣብ ዝጠሓለተ ናይ ጽዕነት መርከብ ዝነበረ ኮንተይነራት ናብ ገማግም ኤርትራን ሱዳንን በጺሑ

Radio Erena: 31 October 2022

ኣብ 05 ጥቅምቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ናብ ዳህላክ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ክሊ ማይ ስዑዲ ዓረብ፣ ደሴታት ፋርሳን፣ ብሰንኪ ባርዕ ኣብ ዝጠሓለተ ዓባይ ናይ ጽዕነት መርከብ ዝነበረ ኮንተይነራት፡ ጸምበለል እናበለ ክሳብ ገማግም ኤርትራን ሱዳንን ከምዝተራእየ ተሓቢሩ።

ሓይሊ ባሕሪ ሱዳን፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ናብ ገምግም ክሊ ማዩ ንዝተጸግዐ ኮንተይነራት ኣብ ምእላይ ተዋፊሩ ከምዘሎ ብ29 ጥቅምቲ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኮንተይነራት ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ምሰናኽል ከይፈጥር ነቲ ስርሒት የካይድ ከምዘሎ’ዩ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ሓቢሩ።

እታ ዓባይ መርከብ ጽዒናቶ ዝነበረት ኣሽሓት ኮንተይነራት፣ ናብ ክሊ ማያት ኤርትራ’ውን ከምዝበጽሐ ጸብጻባት ኣህጉራዊ ማሪታይም ይሕብሩ እኳ እንተለዉ ብወገን ኤርትራን ግና ዝተገልጸ ነገረ የለ።

25 ሰራሕተኛታት ናይታ ናብ የመን፣ ወደብ ዓደን ተምርሕ ምንባራ ዝተገልጸት፣ ኮንተይነር እተመላልስ መርከብ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ ድሒኖም፣ ናብ ጂዛን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ’ዩ።

ጠንቂ ባርዕ እታ TSS Pearl ዝተሰምየት መርከብ ይኹን ጽዒናቶ ዝነበረት ንብረት ዛጊት ኣይተሓበረን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0