ትግራይ፣ ሰብ ኣልቦ በረርቲ ኣብ እንዳ ጠሓኒት ብዘካየድኦ ደብዳብ፣ 17 ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 11 January 2022

ሰብ ኣልቦ በረርቲ ኢትዮጵያ ወይ ድሮን፣ ብሰኑይ 10 ጥሪ፣ ኣብ ትግራይ ብዝቐጸልኦ ደብዳብ ብውሕዱ 17 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ትካላት ግብረ ሰናይ ንሮይተርስ ሓቢሮም።

እተን ሰብ ኣልቦ በረርቲ፣ ማይ ጸብሪ ኣብ ዝተባህለ ከተማ፣ ኣብ ዝርከብ እንዳጠሓኒት ከምዝደብደባ’ዮም እቶም ሰራሕተኛታት ትካላት ረዲኤት ገሊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ዝቕጽል ዘሎ፣ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴልፎን ዝርርብ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ከይኣቱ ምውሳኑ ብምምጓስ፣ ደብዳብ ነፈርቲን ድሮን ግና ደው ክብል ከምዘተሓሳሰቦ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብዓርቢ 07 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ደብዳብ’ውን ብውሕዱ 56 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ሰራሕተኛታት ትካላት ረዲኤት ገሊጾም’ዮም።

=====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0