ፕረዚደንት ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለን፣ ተደናግዩ ዝርከብ ምርጫ ሶማል፣ ኣብ25 ለካቲት ክካየድ ተሰማሚዖም

Radio Erena: 12 January 2022

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፋርማጆን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለን፣ ብተደጋጋሚ ክደናገ ዝጸንሐ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር፣ ኣብ 25 ለካቲት ክካየድ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ተሓቢሩ።

ምርጫ ሶማል ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክካየድ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዝተገልጸ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለ ምስ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ድሕሪ ዘካየዶ ጽዑቕ ዘተ’ዩ።

ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ኣባላት ባይቶ ታሕታይ ገዛ ካብ 15 ጥሪ ክሳብ 25 ለካቲት ተዛዚሙ፣ ብቀጥታ ናብ ሃገራዊ ምርጫ ክእቶ ምዃኑ፣ ኣብያተ ጽሕፈት ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ምግላጾም ማዕከናት ዜና ካብ ሞቛድሾ ኣፍሊጠን።

እቶም መራሕቲ፣ ኣቐዲሙ ብጉዳይ ምርጫ ድሒሩ ድማ ብጉዳይ ምልኣኽ ሰራዊት ሶማል ናብ ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ከቢድ ወጥርን ምትፍናንን’ዮም ጸኒሖም።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ድማ ፕረዚደንት ፋርማጆ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ካብ ስልጣኑ ከምዝሰጎጎ ድሕሪ ምግላጹ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብወገኑ፣ ፋርማጆ ሕጋዊ ስልጣኑ ከምዘብቅዐ ብምጥቃስ፣ ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ ክጸንሑ ጸዊዑ ኔሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እዞም ክልተ መራሕቲ፣ ብጉዳይ እቲ ኣብ 2018 ናብ ሶማል እናኣተወ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተታሕዘ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምዃኑ ዝተገልጸ 10 ሚልዮን ዶላር ክሰሓሓቡ ጀሚሮም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብል፣እቲ ገንዘብ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክምለስ ክእዝዝ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ ድማ ሃገራዊ ባንክ ሶማል ነቲ ገንዘብ ከይመልሶ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ምስ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን ኣይተሰማማዕናን ብዝብል ጉልባብ፣ ስልጣኑ ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ከናውሕ ወሲኑ እኳ እንተነበረ፣ ኣንጻሩ ብዝተላዕለ ተቓውሞ እቲ መደብ ከምዝሰረዞ ይዝከር።

ይኹን’ምበር፣ ሃገራዊ ምርጫ ሶማል፣ ተደጋጋሚ መሰናኽላት እናገጠሞ ክሳብ እዚ እዋን ከይተኻየደ ዓመቱ ኣቝጺሩ ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0